Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኢትዮጵያ ዕልዋ መንግስቲ ምክያድ ኣይዕወትን -ቀ/ሚ ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ዕልዋ መንግስቲ ምክያድ ኣይዕወትን ከብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ተዛሪቦም።

ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣብ ዘሳልጦ ዘሎ መበል 36 ስሩዕ ኣኼባ ብምርካብ ካብ ኣባላት እቲ ባይቶ ኣብ እዋናዊ ኩነታት ጠመተ ብምግባር ንዝቐረቡ ሕቶታት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) መብርሂን ምላሽን ሂቦም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ሓደ ሓደ ቦታ “ዕልዋ መንግስቲ ክነካይድ ኢና” ኢሎም ሓደ ሓደ ኣቦታት ዘተ ገይሮም ኢሎም።

ይኹን እንበር ንኣሕዋተይን ዓበይቲ ኣቦታተይን ዝህቦ ምኽሪ ኣብ ኢትዮጵያ ዕልዋ መንግስቲ ኣይዕወትን ዝብል ኢዩ ኢሎም።

ንሕና ወተሃደራት ኢና ዝበሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)፥ ዕልዋ መንግስቲ ንከይዕወት ገይርና ኢና ትካላት ዝሰራሕና ኢሎም።

ኣብ ኢትዮጵያ ቅድሚ 50 ዓመት ዕልዋ መንግስቲ ሓደ ጊዘ ኢዩ ተዓዊቱ፤ ኣብዚ ሐዚ እዋን ግን ፈፂሙ ኣይዕወትን ክብሉ ገሊፆም።

ብመላኩ ደጊፍ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.