Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኢትዮጵያ ዓውዲ ጥዕና ንምዕዋት ስፔን ትገብሮ ሓገዝ ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 መጋቢት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ኣብ ዓውዲ ጥዕና ዝሓዘቶ ትልሚ ንኽዕወት ስፔን ትገብሮ ሓገዝ ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ኣምባሳደር እታ ሃገር ኣብ ኢትዮጵያ ጉይሌርሞ ኣንቶኒዮ ሎፔዝ ማክሊላን ኣረጋጊፆም።

ሚኒስትር ጥዕና ዶ/ር መቅደስ ዳባ ምስ ኣምባሳደር ጉይሌርሞ ኣንቶኒዮ ሎፔዝ ማክሊላንን ምስ ልኡኽ ስፓኒሽ ኮርፖሬሽንን ተዛቲየን፡፡

ኣብ ዘተአን ድማ÷ ብመንግስቲ ስፔን ዝድገፍ ስፓኒሽ ኮርፖሬሽን ኣብ ዓውዲ ጥዕና ምስ ኢትዮጵያ ብምትብባር ኣብ ዝሰርሐሎም ከምኡ እውን ብሓር እናተሳለጡ ዝርከቡ ስራሕቲ ኣጠናኺርካ ክቕፅሉ ምግባር ኣብ ዝከኣለሉ ኩነታት ትኹረት ገይሮም፡፡

ስፓኒሽ ኮርፖሬሽን ኣብ ኢትዮጵያ ግልጋሎት ጥዕና ኣብ ምጥንኻ ልዑል ኣስተዋፅኦ እናበርከተ ከምዝኾነን ነዚ ድማ ምስጋና ከምዝግበኦ እተን ሚኒስትር ገሊፀን፡፡

እቶም ኣምባሳደር ብግደኦም÷ ኣብ ኢትዮጵያ ግልጋሎት ዓውዲ ጥዕና ናብ ዝለዓለ ደረጃ ንምብፃሕ ብዝተፈላለዩ ጉዳያት ጥዕናን ተተሓሓዝቲ ጉዳያትን ምስቲ ሚኒስቴር ብምትሕብባር ብምስርሑ ኣብቲ ዓውዲ ጭቡጥ ለውጢ ከምዝመፅአ ገሊፆም፡፡

መንግስቲ ስፔን ንዓውዲ ጥዕና ኢትዮጵያ ካብ ዝገብሮ ሓገዝ 90 ሚኢታዊ ዝኸውን ብጎንፂ ዝተጎድኡ ትካላት መሊስካ ንምጥያሽ ከምዝውዕል ምግላፆም ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ኢትዮጵያ ኣብ ዓውዲ ጥዕና ዝሓዘቶ ትልሚ ንኽዕወት ስፔን ትገብሮ ሓገዝ ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል እቶም ኣምባሳደር እውን ኣረጋጊፆም፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.