Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኢትዮጵያ ክሳብ ሕዚ 20 ነጥቢ 8 ሚሊየን ዜጋታት ክታበት መከላኸሊ ኮቪድ-19 ወሲዶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ለካቲት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ክሳብ ሕዚ 20 ነጥቢ 8 ሚሊየን ዜጋታት ክታበት መከላኸሊ ኮቪድ-19 ከምዝወሰዱ ሚኒስቴር ጥዕና ኣፍሊጡ።

ኣብቲ ሚኒስቴር ዳይሬክተር ኮሙዩኒኬሽን ዶክተር ተገኔ ረጋሳ ወፍሪ ካልኣይ ዙር ክታበት መከላኸሊ ኮቪድ-19 ኣመልኪቶም ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ፥ ኣብ ኢትዮጵያ ክሳብ ሕዚ 25 ሚሊየን 433 ሺሕን 750 ዶዝ ክታበት ከምዘተውሃበ ተዛሪቦም፡፡

ብመሰረት እዚ ን20 ሚሊየን 837 ሺሕን 740 ዜጋታት ክታበት ከምዝተውሃበ ዝገለፁ እተም ዳይሬክተር፥ 192 ሺሕ ንዝኾኑ ድማ መጠናኸሪ ክታበት ተዋሂቡ ኢሎም።

ብብርኪ ሃገር ዝርገሐ ኮቪድ-19 ንምከልኻል ተባሂሉ ክታበት ብስፍሓት ብምእታው ንዜጋታት ንኽበፅ ፃዕሪ እናተገበረ ከምዝኾ እውን ኣብሪሆም፡፡

ኣወሃህባ እቲ ክታበት ንምስፋሕ ብወፍሪ እናተውሃበ እንትኸውን፥ ንዝሓለፉ ሰሙናት ካልኣይ ዙር ወፍሪ ክታበት እናተውሃበ ምፅንሑ ተመልኪቱ፡፡

በቲ ወፍሪ እውን ልዕሊ 14 ሚሊየን ዜጋታት ክታበት ዝተውሃበ እንትኸውን፥ ካብ ሞንጎ እዚኣቶም እቶም 12 ሚሊየን ሓደሽቲ ዝተኸተቡ ከምዝኾኑ ተሓቢሩ፡፡

ዝርገሐ ኮቪድ-19 ንምቁፅፃር ክታበት ንምውሳድ ኣድላዪ ስለዝኾነ ሕብረተሰብ ክታበት ኣብ ዝወሃበሎም ማእኸላት ብምርካብ ክታበት ንኽወስድ እቶም ዳይሬክተር ፃውዒት ኣቕሪቦም፡፡

ብሃይማኖት ኢያሱ

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.