ኣብ ኢትዮጵያ ክሳብ ሕዚ 172 ሕማም ኩላሊት ዘለዎም ሰባት ግልጋሎት ንቕለ ተኸላ ኩላሊት ረኺቦም
ኣዲስ ኣበባ፣ 5 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኮሌጅ ሜዲካል ሆስፒታል ቅዱስ ጳዉሎስ ግልጋሎት ንቕለ ተኸላ ኩላሊት ምሃብ ካብ ዝጅምረሉ 2009 ዓ.ም ኣትሒዙ ክሳብ ሕዚ 172 ሕማም ኩላሊት ዘለዎም ሰባት ግልጋሎት ምሃቡ ተገሊፁ፡፡
በዓልቲ ሞያ ፈፃሚ ስራሕ መሪሕ ግልጋሎት ሜዲካል ሚኒስቴር ጥዕና ሲስተር እመቤት ታረቀኝ፥ እቲ ሆስፒታል ብብርኪ ሃገር ሕክምና ንቕለ ተኸላ ኩላሊት ማእኸል እዩ ኢለን።
እቲ ማእኸል ሙሉእ ሓይሊ ሰብ ዋላኳ ተሃለዎ÷ ዘለዎ ፅበት ክፍልን ሕፅረት ናዉቲን ብዝበለፀ ግልጋሎት ተበፃሒ ንከይገብር ብድሆታት ኮይኖምዎ ኢለን፡፡
ኣብ ካልኦት ከባቢታት እታ ሃገር መሰል ግልጋሎት ዝህቡ ማእኸላት ምስፍሕፋሕ ከምዝግባእ አረዲኤን፡፡
ብሰለሞን ይታየው