Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኢትዮጵያ እቶት ናይ ምስሳን ጉደይ ምስ ልእላውነት ሃገር ዝተተሓሓዘ ኢዩ – ቀ/ሚ ኣቢይ ኣሕመድ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ለካቲት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ክልል ኣምሓራ ልምዓት መስኖ ቆጋ መስኖ ዝርከብ ልምዓት መስኖ ስንዳይ ሓጋይ ዑደት ገይሮም።

ኣብቲ ዑደት ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮነንን ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኣመሓራ ኣይተ ኣገኘሁ ተሻገርን ተሳቲፎም።

ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ እዋን ሓጋይ ኣስታት 13 ሺሕ ሄክታር መሬት ብመስኖ ይለምዕ ኣሎ።

እቶም ቀዳማይ ምኒስትር ኣብ መስን ቆጋ ዝለምዕ ዘሎ ልምዓት ኣቨካዶ እውን ዑደት ገይሮም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ ኣብ ኢትዮጵያ እቶት ናይ ምስሳን ጉደይ ምስ ልእላውነት ሃገር ዝተተሓሓዘ ስለዝኾነ ሓረስቶት ጠንኪሮም ክሰርሑ ከምዝግበኦም ተዛሪቦም።

ካብ ወፃኢ ዓዲ ዝኣቱ ስንዳይ ሙሉእ ንሙሉአ ንምትራፍ ይስራሕ ከምዘሎ ሓቢሮም።

ሰደድ ኣቦካዶ ኣብ ውሽጢ ውሑዳት ዓመታት ምስ ሰደድ ቡና ክመዓራረ ኢዩ ኢሎም።

ብኣላዛር ታደለ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.