Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኢትዮጵያ ኣፈላላይ ሓሳብ ፅልኢ ዘይምዃኑ እናሻዕ ምሕሳብ ኣገዳሲ ኢዩ- ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ሕዳር፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ኣፈላላይ ሓሳብ ፅልኢ ዘይምዃኑ እናሻዕ ምሕሳብ ኣገዳሲ ኢዩ ክብላ  ፕሬዚዳንት ፌዴሪኢ ሳህለወርቅ ዘውዴ ገሊፀን።

እተን ፕሬዚዳነት ኣብ ክልል ሶማሌ ኣብ ዝተኸበረ መበል 18 መዓልቲ ብሄር ብሄረሰባት ህዝብታት በዓል ተረኺበን ኣብ ዘመሓላለፍኡ መልእኽቲ፥ ከም ሃገር ንምቕፃል ካብ ህብረ ብሄራዊ ሓድነት ወፃእ ካሊእ ሕሪያ የለን ኢለን።

እቲ በዓል ምኽባር ኩሎም ብሄራት ብሄረሰባት ባህሎም ነክወራረሱን ንከፋልጡን ዘኽአል ከምዝኾነ ኣብሪሀን።

ስሕተትን መጥቃዕቲን ብምትሕብባር ክንቃለሶ ይግባእ ብምባል፥ እንፈትዋ ሃገርን ህዝባን ካብ ፀገም ምውፃእ ይግበአና ኢለን።

ህዝቢ ከም ካልኦት ህዝብታት ዓለም ሙሉእ ብሙሉእ ናብ መበል 21 ክፍለ ዘበን ንክሳገር ዘኽእል ምቹእ ባይታ ክፍጠር ከምዝግባእ ኣገንዚበን።

ኣፈላላይ ዘይኮነስ ሓድነት ምክብባርን ማዕርነትን፣ ጎንፂ ዘይኮነስ ምክእኣልን ንሓሳብ ልዕልነት ቀዳምነት ምሃብን እንተተኻኢሉ ሓድነትና ኣብ ፅኑዕ ሰረት ንምህናፅ ዘኽአል ዕድል ከምዝፍጠር ተዛሪበን።

ጎንፅታት እንተጋጥሙ ብዘተን ምክብባርን ምፍታሕ ከምዝግባእ ገሊፀን።

ብመሰረት እዚ ኣብ ኢትዮጵያ ኣፈላላይ ሓሳብ ፅልኢ ዘይምዃኑ እናሻዕ ምሕሳብ ኣገዳሲ ኢዩ ክብላ ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ  መልእኽተን ኣተሓላሊፈን።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.