ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝቕፅል በጀት ዓመት 9 ነጥቢ 2 ሚኢታዊ ዕብየት ንምምዝጋብ ትልሚ ከምዝተትሓዘ ተገሊፁ
ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዝቕፅል በጀት ዓመት 6 ነጥቢ 6 ሚኢታዊ ዕብየት ንምምዝጋብ ትልሚ ከምዝተትሓዘ ሚኒስቴር ገንዘብ ገሊፁ።
ሚኒስትር ገንዘብ ኣይተ ኣሕመድ ሽዴ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ቀሪቦም ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ፥ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ብሰንኪ ዘጋጠመ ኲናትን ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ብዘጋጠመ ድርቂን ኣብ ምንቅስቓስ ኢኮኖሚ ልዑል ፅዕንቶ ከምዝፈጠረ ተዛሪቦም።
ብተወሳኺ ብሰንኪ እቲ ኲናት ብዙሓት ሰባት ካብ መረበቶም ከምዝተመዛበሉን ኣብ ልዕሊ መሰረተ ልምዓታት እወን ዕንወት ከምዝበፅሐን ብምግላፅ፥ መዕባለ ኢኮኖሚ እዛ ሃገር ብትልሚ ካብ ዝተትሓዘ 8 ነጥቢ 7 ሚኢታዊ ከምዝቐነሰ ኣብሪሆም።
ብመሰረት እዚ ኣብ በጀት በጀት ዓመት 2014 ዓ.ም 6 ነጥቢ 6 ሚኢታዊ ዕብየት ከምዝተመዝገበ ተዛሪቦም።
እቲ ሎሚ ዘበን ዘጋጠመ ፀገማት ብምቕራፍ ብመሰረት ኣብ ትልሚ 10 ዓመት ዝተቐመጠ ሸቶ ኣብ ዝቕፅል በጀት ዓመት 9 ነጥቢ 2 ሚኢታዊ ዕብየት ንምምዝጋብ ትልሚ ከምዝተትሓዘ ድማ ገሊፆም።
ናህሪ ዋጋ ብዝምልከት ኣብ ወርሒ ሚያዚያ 2014 ዓ.ም ካብ ዝተመዝገበ 36 ነጥቢ 4 ሚኢታዊ ብምቕናስ ኣብ በጀት ዓመት 2015 ኣድላዪ ምምሕያሻት ፖሊስን ኢኮኖሚን ብምግባር ናብ 11 ነጥቢ 9 ሚኢታዊ ንምውራድ ትልሚ ከምዝተትሓዘ ገሊፆም።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።