Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኢትዮጵያ ኣብዚ ዓመት 7 ነጥቢ 9 ሚኢታዊ ዕቤት ክመዝገብ ኢዩ ዝብል ትፅቢት ኣሎ – ቀ/ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ኣብዚ ዓመት 7 ነጥቢ 9 ሚኢታዊ ዕቤት ክመዝገብ ኢዩ ዝብል ትፅቢት ከምዘሎ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር) ገሊፆም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ካብ ኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ዝቕረቡሎም ኢኮኖሚያዊ ጉዳያ ዝምልከቱ ሕቶታትን ዘለዉ በሰላታት ማክሮ ኢኮኖሚ ንምፅጋን ዝተወሰዱ ስጉምቲታትን ዝምልከት መብርሂ ሂቦም።

ኣብ መብርሂኦም ድማ ኣብ ኢታዮጵያ በሰላታት ማክሮ ኢኮኖሚ ብዝምልከት ንነዊሕ ዓመታት እዋን ዝፀንሐ እናተደራረበ ዝመፅአ ከምዝኾነ ገሊፆም፡፡

እዚ ንምፅጋን ድሕሪ ለውጢ ብዝተገበረ ሪፎርም ለውጢ ንምምፃእ እናተሰርሐ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ዓለም ለኸ ለበዳ ሕማም ብምምፅኡ፣ ኲናትን ጎንፂታትን ብምዘሖም፣ ክሌማዊ ለውጢ ብምስፍሕፍሑ፣ ኣብ መላእ ዓለም ሓደሽቲ በሰላታት ማክሮ ኢኮኖሚ እናጋጠሙ ስለዝመፅኡ እቲ ፀገም ዝኸበደ ከምዝገበብሮ ኣብሪሆም፡፡

“ኣብ ኢትዮጵያ ድማ ካብዚ ብተወሳኺ ውሽጣዊ ፀገማትን ናይ ወፃኢ ፅዕንቶን ስለዝነበረ ብዝድለ ቅልጠፈ ምፅጋን ኣይተኸኣለን” ኢሎም፡፡

እዚ ኮይኑ ግን እዚ ንምፅጋን ብዙሓት ስራሕቲ ከምዝተሰርሑን ኖት ብር ካብ ምቕያር ጀሚሩ ብዙሕ ለውጢ ምምዝጋብ ከምዝተኻኣለን ኣብሪሆም፡፡

ኣንፈታት ፊስካል ፖሊሲ ብዝምልከት ዝተሰርሑ ስራሕቲ ንሕዚ ጥራሕ ዘይኮነ ንዝቕፅሉ መንግስታት እውን ለውጢ ክፈጥሪ ዝኽእሉ ዓበይቲ በሰላታት ምፅጋን ተኻኢሉ ኢሎም፡፡

“ካብ ዝተሰርሑ ብዙሓት ስራሕቲ ሓደ ንምግላፅ ኣብ ሰብሲዲን ትካላት ልምዓት መንግስቲን ብመልክዕ ዕዳ እናተኸዘነ ዝነበረ ሃፍቲ ብሜላ ብሪፎርም ንምንካይ እናተወሰደ ዝርከብ ስጉምቲ ልዑል ውፅኢት እናምፀአ ይርከብ”፡፡

“ንኣብነት ድማ ትካላት ነዳዲ ብምኽንያት ምውሳኽ ዋጋ ነዳዲ 180 ቢሊየን ዝኸውን ዕዳ ነይሩዎም፤ እዚ ቀስ ብቐስ ንምፍታሕ ብዝተሰርሐ ስራሕ ሕዚ ናብ ከባቢ 100 ቢሊየን ክወርድ ገይርና ኢና፤ ኣብ ዝቕፅሉ ኣርባዕተ ሓሙሽተ ዓመታት ናብ ባዶ እንተውሪድናዮ ልዑል ውፅኢ ክመፅእ ኢዩ” ክብሉ ገሊፆም፡፡

ተቐማጢ ገንዘብ ልዕሊ 100 ቢሊየን ብር ከምዝወሰኸን 1 ነጥቢ 2 ትሪሊየን ብር ከምዝበፅሐን ብምሕባር እዚ ኣብ ዝውውር ገንዘብ ዘምፀኦ ውፅኢት ስለዘሎ ኣብ ዝቕባበ ዋጋ ንኡሽተይ እውን እንተኾነ ውፅኢት ከምዝተርኣየ ገሊፆም፡፡

ልቓሕ ብዝምልከት÷ “ኣብ ዝሓለፉ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ልዕሊ 170 ቢሊየን ብር ልቓሕ ተዋሂቡ ኢዩ፤ ካብ ሞንጎ እዚ ልቓሕ እቲ 83 ሚኢታዊ ንውልቀ ሴክተር ዝተውሃበ ኢዩ፤ እዚ ድማ ኣዚዩ ልዑል ዝላ ኢዩ” ኢሎም፡፡

ባንኪታት ካብ ውድቀት ምድሓነ ከምዝተኽኣለ፤ ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያን ባንኪ ልምዓትን ክወድቁ ኢሎም ከምዝነበሩ፤ ሕዚ ግን ልዑል ስራሕ ዝሓትት ፀገም የሃልዎም እምበር ክድሕኑ ከምዝኸኣሉ ገሊፆም፡፡

ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ብብርኪ ሴክተር እንትረአ ድማ÷ ኣብ ኢትዮጵያ ሕርሻ ኣዚዩ ልዑል ዝላ እናመዝገበ፤ ዓሚን ሎሚ ዘበንን ልዑል ዕቤት እናመዝገበ ከምዝርከብን ኢኮኖሚ ዝሽከም እውን ንሱ ከምዝኾነን ዝሓሩ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር÷ ካብዚ ንላዕሊ እንተተሰሪሑ ድማ ካብ ፅግዕተኝነት ምግቢ ምውፃእ ከምዝከኣል ኣብሪሆም፡፡

ኣብ መዳይ ኢንዱስትሪ፤ ምንቅስቓስ ኢትዮጵያ ተፍሪ ብዙሕ ለውጢ ኣምፂ ኢዩ፤ ሕዚ ድማ ንጀመርቲ ኢንዱስትሪታት መበረታትዒ ሓገዝ ብምግባር ልዑል ለውጢ ከምፅኡ ከግበር ኢዩ ኢሎም፡፡

ኣይሲቲ ብዝምልከት÷ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ቴሌኮም ካብ ዝመዝገበ ዕቤት ንላዕሊ ኣብ ቀረባ እዋን ካፒታል ማርኬት ከምዝጅመር፤ እዚ እንትጅመር ብዙሓት ዘይሕጋዊ ሃፍቲታት ናብ ትኽክለኛ መስመር ብምምፃእ ብዙሓት ኢንቨስተራት ኣብ ምፍጣር ዝሕግዝ ከምዝኾነ ገሊፆም፡፡

“እዚኦም ተኣሳሲሮም ኣብዚ ዓመት 7 ነጥቢ 9 ሚኢታዊ ዕቤት ክመዝገብ ኢዩ ዝብል ትፅቢት ኣሎ” ኢሎም፡፡

እዚ ድማ ኢትዮጵያ ካብ ዓለም ቅልጡፍ ዕቤት እናመዝገባ ካብ ዝርከባ ውሑዳት ሃገራት ሓንቲ ምዃና ኩሉ ዝምስክሮ ሓቂ ከምዝኾነ ኣብሪሆም፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.