ኣብ ኢትዮጵያ ንፈለማ እዋን ዓለም ለኸ “መዓልቲ መልኣኺ ሸርፊ ወፃኢ ስድራ ቤት” ይኽበር ኣሎ
ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ሰነ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ግልጋሎት ዲያስፖራ ኢትዮጵያ ምስ ትካል ተራድኦ ጀርመን (ጂኣይዜድ)ን መዳርግቲ ኣካላትን ብምትሕብባር ዘዳለዉዎ ዓለም ለኸ “መዓልቲ መልኣኺ ሸርፊ ወፃኢ ስድራ ቤት” ኣብ ኢትዮጵያ ንፈለማ እዋን ይኽበር ኣሎ።
ዋና ዳይሬክተር ግልጋሎት ዲያስፖራ ኢትዮጵያ ዶክተር መሓመድ ኢንድሪስ ኣብቲ ፕሮግራም ኣብ ዝገበርዎ መደረ፥ እቲ መዓልቲ ምኽባሩ ንስድራ ቤት ዝለኣኽ ፍሰትን ግደን ሬሚታንስ ንምዕባይ ዘጋጥሙ መሰናኽላት ንምፍታሕ ሓጋዚ እዩ ኢሎም።
ሬሚታንስ ነባራዊ ኩነታት ስድራ ቤት፣ ማሕበረሰብን ሃገርን ንምቕያር ዘለዎ ግደ ፤ ዕዙዝ እዩ ዝበሉ ዶክተር መሓመድ፣ ኣብ ሬሚታንስ ግንዛበ ምፍጣርን ዝለኣኽ ገንዘብ ብዝበለፀ ውፅኢታዊ ኣብ ዝኾኑ ተግባራት ዝውዕለሉ ኩነታት ምምልኻትን ከምዝግባእ ኣፍሊጦም።
ኢትዮጵያ ኣብ ኣፍሪካ ዝለዓለ ሬሚታንስ ካብ መንጎ ዝቕበላ ሃገራት እታ ሓንቲ እንትኸውን ብሚሊዮን ዝቑፀሩ ዜጋታታ ካብ ሃገራት ዓለም ኣብ ኢትዮጵያ ንዝነበሩ ስድርኦም ሬሚታንስ ከምዝልእኹ ተዛሪቦም።
ሚኒስትር ዴኤታ ፕላንን ልምዓትን ዶክተር ሳንዱቃን ደበበ ብግዲኦም፣ ሬሚታንስ ምስ ሽቶታት ዘላቒ ልምዓትን ህይወት ማሕበረሰብን ዝሰመረ ምትእስሳር ከምዘለዎ ገሊፆም።ሬሚታንስ ረብሕኡ ዝዓዘዘ እንተኾነ’ውን ሕጋውነት ዝለኣኸሉ መንገዲ ዝነኣሰ ብምዃኑ ማሕልኻ ይኸውን ከምዘሎ ዝገለፁ ዶክተር ሳንዱቃን፥ ኩሎም መዳርግቲ ኣካላት ጠመተ ገይሮም ብምስራሕ ነቲ ፀገም ምፍታሕ ይግባእ ኢሎም።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።