ኣብ ኢትዮጵያ ትማሊ ብዝተገበረ ምርመራ ብቫይረስ ኮሮና ዝተለኸፉ ተወሰኽቲ 612 ሰባት ተረኺቦም
ኣዲስ ኣበባ፣ 19 መስከረም፣ 2013(ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ትማሊ ኣብ ልዕሊ 4 ሺሕን 747 ሰባት ብዝተገበረ ምርመራ ላቦራቶሪ ብቫይረስኮሮና ዝተተሓዙ ተወሰኽቲ 612 ሰባት ከምዝተረኸቡ ሚኒስቴር ጥዕና ኣፍሊጡ።
ብመሰረት እዚ ኣብ ኢትዮጵያ በቲ ቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት ቁፅሮም 73 ሺሕን 944 ከምዝበፅሐ ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር ሊያ ታደሰ ገሊፀን።
ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት 7 ሰባት ብሰንኪ እቲ ቫይረስ ህይወቶም ዝሰኣኑ እንትኾኑ፥ ብሓፈሻ በቲ ቫይረስ ህይወቶም ዝሰኣኑ ሰባት 1 ሺሕን 177 በፂሑ ኣሎ።
ብኻሊእ መዳይ 390 ሰባት ካብቲ ሕማም ዝሓሾም እንትኾኑ፥ ኣብዚ ሐዚ እዋን 247 ሰባት ኣብ ክፍሊ ክንክን ዘድሊዮም ብፅኑዕ ዝሓመሙ ከምዝርከቡ ተገሊፁ።
ብድምር ክሳብ ትማሊ 30 ሺሕን 753 ሰባት ካብቲ ሕማም ከምዝሓሾም ተገሊፁ።
እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana