Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኢትዮጵያ ትማሊ ብዝተገበረ ምርመራ ብቫይረስ ኮሮና ዝተለኸፉ ተወሰኽቲ 181 ሰባት ተረኺቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ጥሪ፣ 2013(ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ትማሊ ብዝተገበረ ምርመራ ብቫይረስ ኮሮና ዝተለኸፉ ተወሰኽቲ 181 ሰባት ከምዝተረኸቡ ሚኒስቴር ጥዕና ኣፍሊጡ።

ብመሰረት እዚ ኣብ ኢትዮጵያ በቲ ቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት ቁፅሮም 131 ሺሕን 727 ከምዝበፅሐ ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር ሊያ ታደሰ ገሊፀን።

ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት 57 ሰባት ካብቲ ሕማም ዝሓሾም እንትኾኑ፥ ብድምር ክሳብ ትማሊ 116 ሺሕን 392 ሰባት ካብቲ ሕማም ከምዝሓሾም ተገሊፁ።

ብኻሊእ መዳይ ትማሊ 4 ሰባት ብሰንኪ እቲ ቫይረስ ህይወቶም ዝሓለፈ እንትኸውን፥ ብድምር ኣብ ኢትዮጵያ ብምኽኒያት ቫይረስኮሮና ህይወቶም ዝሰኣኑ ቁፅሪ ሰባት 2 ሺሕን 37 ከምዝበፅሐ ሚኒስቴር ጥዕና ኣፍሊጡ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.