Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኢትዮጵያ ትማሊ ብዝተገበረ ምርመራ ብቫይረስ ኮሮና ዝተለኸፉ ተወሰኽቲ 555 ሰባት ተረኺቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ሕዳር፣ 2013(ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ትማሊ ኣብ ልዕሊ 5 ሺሕን 379 ሰባት ብዝተገበረ ምርመራ ላቦራቶሪ ብቫይረስኮሮና ዝተተሓዙ ተወሰኽቲ 555 ሰባት ከምዝተረኸቡ ሚኒስቴር ጥዕና ኣፍሊጡ።

ብመሰረት እዚ ኣብ ኢትዮጵያ በቲ ቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት ቁፅሮም 113 ሺሕን 295 ከምዝበፅሐ ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር ሊያ ታደሰ ገሊፀን።

ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት 1 ሺሕን 252ሰባት ካብቲ ሕማም ዝሓሾም እንትኾኑ፥ ኣብዚ ሐዚ እዋን 316 ሰባት ኣብ ክፍሊ ክንክን ዘድሊዮም ብፅኑዕ ዝሓመሙ ከምዝርከቡ ተገሊፁ።

ብድምር ክሳብ ትማሊ 80 ሺሕን 831 ሰባት ካብቲ ሕማም ከምዝሓሾም ተገሊፁ።

ብኻሊእ መዳይ ትማሊክልተ ሰባት ብሰንኪ እቲ ሻይረስ ህይወቶም ዝሰኣኑ እንትኾኑ፥ ብድምር ኣብ ኢትዮጵያ ብምኽኒያት ቫይረስኮሮና ህይወቶም ዝሰኣኑ ቁፅሪ ሰባት 1 ሺሕን 747 ከምዝበፅሐ ሚኒስቴር ጥዕና ኣፍሊጡ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.