ኣብ ኢትዮጵያ ትማሊ ብዝተገበረ ምርመራ ብቫይረስ ኮሮና ዝተለኸፉ ተወሰኽቲ 499 ሰባት ተረኺቦም
ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ሕዳር፣ 2013(ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ትማሊ ኣብ ልዕሊ 5 ሺሕን 201 ሰባት ብዝተገበረ ምርመራ ላቦራቶሪ ብቫይረስኮሮና ዝተተሓዙ ተወሰኽቲ 499 ሰባት ከምዝተረኸቡ ሚኒስቴር ጥዕና ኣፍሊጡ።
ብመሰረት እዚ ኣብ ኢትዮጵያ በቲ ቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት ቁፅሮም 104 ሺሕን 427 ከምዝበፅሐ ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር ሊያ ታደሰ ገሊፀን።
ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት 390 ሰባት ካብቲ ሕማም ዝሓሾም እንትኾኑ፥ ኣብዚ ሐዚ እዋን 320 ሰባት ኣብ ክፍሊ ክንክን ዘድሊዮም ብፅኑዕ ዝሓመሙ ከምዝርከቡ ተገሊፁ።
ብድምር ክሳብ ትማሊ 64 ሺሕን 983 ሰባት ካብቲ ሕማም ከምዝሓሾም ተገሊፁ።
ብኻሊእ መዳይ ትማሊ ሰባት ብሰንኪ እቲ ሻይረስ ህይወቶም ዝሰኣኑ እንትኾኑ፥ ብድምር ኣብ ኢትዮጵያ ብምኽኒያት ቫይረስኮሮና ህይወቶም ዝሰኣኑ ቁፅሪ ሰባት 1 ሺሕን 607 ከምዝበፅሐ ሚኒስቴር ጥዕና ኣፍሊጡ።
እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!