ኣብ ኢትዮጵያ ትማሊ ብዝተገበረ ምርመራ ብቫይረስ ኮሮና ዝተለኸፉ ተወሰኽቲ 866 ሰባት ተረኺቦም
ኣዲስ ኣበባ፣ 02 ጥቅምቲ፣ 2013(ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ትማሊ ኣብ ልዕሊ 7 ሺሕን 383 ሰባት ብዝተገበረ ምርመራ ላቦራቶሪ ብቫይረስኮሮና ዝተተሓዙ ተወሰኽቲ 866 ሰባት ከምዝተረኸቡ ሚኒስቴር ጥዕና ኣፍሊጡ።
ብመሰረት እዚ ኣብ ኢትዮጵያ በቲ ቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት ቁፅሮም 84 ሺሕን 295 ከምዝበፅሐ ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር ሊያ ታደሰ ገሊፀን።
ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት 633 ሰባት ካብቲ ሕማም ዝሓሾም እንትኾኑ፥ ኣብዚ ሐዚ እዋን 271 ሰባት ኣብ ክፍሊ ክንክን ዘድሊዮም ብፅኑዕ ዝሓመሙ ከምዝርከቡ ተገሊፁ።
ብድምር ክሳብ ትማሊ 38 ሺሕን 361 ሰባት ካብቲ ሕማም ከምዝሓሾም ተገሊፁ።
ብኻሊእ መዳይ ትማሊ 10 ሰባት ብሰንኪ እቲ ሻይረስ ህይወቶም ዝሰኣኑ እንትኾኑ፥ ብድምር ኣብ ኢትዮጵያ ብምኽኒያት ቫይረስኮሮና ህይወቶም ዝሰኣኑ ቁፅሪ ሰባት 1 ሺሕን 287 ከምዝበፅሐ ሚኒስቴር ጥዕና ኣፍሊጡ።
እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!