ኣብ ኢትዮጵያ ትማሊ ብዝተገበረ ምርመራ ብቫይረስ ኮሮና ዝተለኸፉ ተወሰኽቲ 738 ሰባት ተረኺቦም
ኣዲስ ኣበባ፣ መስከረም 7፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ትማሊ ኣብ ልዕሊ 8 ሺሕን 355 ሰባት ብዝተገበረ ምርመራ ላቦራቶሪ ብቫይረስኮሮና ዝተተሓዙ ተወሰኽቲ 738 ሰባት ከምዝተረኸቡ ሚኒስቴር ጥዕና ኣፍሊጡ።
ብመሰረት እዚ ኣብ ኢትዮጵያ በቲ ቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት ቁፅሮም 66 ሺሕን 224 ከምዝበፅሐ ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር ሊያ ታደሰ ገሊፀን።
ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት 677 ሰባት ካብቲ ሕማም ዝሓሾም እንትኾኑ፥ ኣብዚ ሐዚ እዋን 270 ሰባት ኣብ ክፍሊ ክንክን ዘድሊዮም ብፅኑዕ ዝሓመሙ ከምዝርከቡ ተገሊፁ።
ብድምር ክሳብ ትማሊ 26 ሺሕን 665 ሰባት ካብቲ ሕማም ከምዝሓሾም ተገሊፁ።
ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት 10 ሰባት ብሰንኪ እቲ ቫይረስ ህይወቶም ዝሰኣኑ እንትኾኑ፥ ብሓፈሻ በቲ ቫይረስ ህይወቶም ዝሰኣኑ ሰባት 1 ሺሕን 45 በፂሑ ኣሎ።
እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!