Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኢትዮጵያ ተወሰኽቲ ብቫይረስ ኮሮና ዝተትሓዙ 3 ሰባት ተረኺቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ሚያዚያ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት ኣብ ልዕሊ 1 ሺሕን 861 ሰባት ብዝተገበረ ምርመራ ላቦራቶሪ ብቫይረስኮሮና ዝተትሓዙ ሰለስተ ሰባት ከምዝተረኸቡ ተገሊፁ።

ሚኒስተር ጥዕና ፌዴሪኢ ዶክተር ሊያ ታደሰ፥ እተን በቲ ቫይረስ ከምዝተለኸፋ ዝተረጋገፃ ውልቀ ሰባት ኩለን ደቂ ኣንስትዮ ኢትዮጵያውያን ኢየን።

ነባርነተን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከምዝኾነ እውን ኣብሪሀን።

ብተወሳኺ እተን ክልተ በቲ ቫይረስ ምስዝተለኸፈ ሰብ ርክብ ዝነበረን እንትኾና፥ እታ ሓንቲ ግና ንኽክእ ከምዝለዋ እናተፃረየ ከምዝኾነ ገሊፀን።

ኣብ ኢትዮጵያ ብቫይረስ ኮሮና ዝተለኸፉ ሰባት ቁፅሮም ናብ 194 ክብ ዝበለ እንትኸውን፥ ካብቲ ሕማም ዝሓሾም ድማ ሓደሽቲ 2 ሰባት ሓዊሱ ቁፅሮም 95 በፂሑ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.