Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኢትዮጵያ ተወሰኽቲ ብቫይረስ ኮሮና ዝተትሓዙ 25 ሰባት ተረኺቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ሚያዚያ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት ኣብ ልዕሊ 1 ሺሕን 847 ሰባት ብዝተገበረ ምርመራ ላቦራቶሪ ብቫይረስኮሮና ዝተትሓዙ 25 ሰባት ከምዝተረኸቡ ተገሊፁ።

እቲ ናይ ሎሚ መዓልቲ ውፅኢት፥ ቅድመ ሐዚ ኣብ ኢትዮጵያ በቲ ቫይረስ ተለኺፎም ብዝብል ካብ ዝተገለፀ ቁፅሪ እቲ ዝለዓለ ኢዩ ተባሂሉ።

ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት በቲ ቫይረስ ምልካፎም ካብ ዝተረጋገፀ እቶም 19 ሰባት፥ ታሪኽ ጉዕዞ ወፃኢ ዓዲ ምስ ዘለዎምን በቲ ቫይረስ ምስ ዝተትሓዙን ሰባት ምንም ዓይነት ርክብ ከምዘይብሎም ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር ሊያ ታደሰ ኣፍሊጠን።

ሰለስተ በቲ ቫይረስ ምስ ዝተትሓዙ ሰባት ርክብ ዘለዎም እንትኾኑ፥ ዝተረፉ ሰለስተ ሰባት ድማ ታሪኽ ጉዕዞ ወፃኢ ዓዲ ዘለዎም ኢዮም ኢለን።

ብድምር ኣብ ኢትዮጵያ ክሳብ ሐዚ ቁፅሪ ብቫይረስ ኮሮና ዝተትሓዙ 187 በፂሑ ኣሎ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.