Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኢትዮጵያ ቫይረስ ኮሮና ንምክልኻል ዘኽእሉ ስራሕቲ ይስርሑ ኣለዉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ቫይረስ ኮሮና ንምክልኻል ዘኽእል ስራሕቲ ይስራሕ ከምዘሎ ተገሊፁ።

ብሄራዊ ኮሚቴ ምቁፅፃርን ምክልኻልን ቫይረስ ኮሮና ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ዝተረኸብሉ ሎሚ መዓልቲ ስራሕቱ ገምጊሙ።

እቲ ቫይረስ ናብ ኢትዮጵያ ክሳብ ሐዚ ከምዘይኣተወ ዝገለፀ እቲ ኮሚቴ፥ ነቲ ቫይረስ ንምክልኻል ዘኽእል ስራሕቲ ይስራሕ ከምዘሎ ሓቢሩ።

ዓለም ለኻዊ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ ሓዊሱ ኣብ 30 በርታት “የብስ” ቁፅፅር ይግበር ምህላዉ እውን እቲ ኮሚቴ ገሊፁ።

ትካላት ሕክምና ነቲ ቫይረስ ንምምርማር ድሉዋት ክኾኑ ከምዝተገበረ ዝሓበረ እቲ ኮሚቴ፥ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሆስፒታል የካ ኮተቤ እቲ ሕክምና ጥራሕ ንክህብ ተባሂሉ ከምዝተዳለወ ተገሊፁ።

ሆስፒታል የካ ኮተቤ ኣብ ሓደ ግዘ 300 ሰባት ናይ ምትአንጋድ ዓቕሚ ከምዘለዎን ኣብ ከይዲ ድማ ዓቕሙ ክብ ንምባል ከምዝስራሕን እውን ተሓቢሩ።

ኣብ ቢሸፍቱ ዝርከብ ሆስፒታል ሰራዊት ምክልኻል ሃገር እውን እቲ ሕክምና ንኸካይድ ተባሂሉ ዝተፈለየ እንትኸውን፥ ኣብ ክልልላትን ፓርኪታት ኢንዱስትሪ ዘለዉዎም ከበባቢታትን ድማ ስራሕቲ ቅድመ ምድላው ይግባር ኣሎ ተባሂሉ።

ቫይረስ ኮሮና ኣብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ዓለም ድሕሪ ምግጣሙ፥ ኣብ ኢትዮጵያ ክሳለጡ ተሓሲቦም ዝነበሩ ዓለም ለኻዊ ኮንፈረንስታት ከምዝተሰረዙ ይዝከር።

ቫይረስ ኮረና ክሳብ ሐዚ ኣብ ሸሞንተ ሃገራት ኣፍሪካ ከምዝኣተወ ዝተረጋገፀ እንትኸውን፥ ኣብ ግብፂ 48፣ ኣብ ኣልጄርያ 17፣ ኣብ ሰኔጋል 4፣ ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ 3፣ ኣብ ሞሮኮ 2፣ ኣብ ካሜሩን 2፣ ኣብ ቱኒዝያ 1፣ ኣብ ቶጎ 1 ከምኡ እውን ኣብ ናይጄርያ 1 ምዃኖም ይዝከር።

ብኣላዛር ታደለ

እዋናውን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.