Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኢትዮጵያ ብዓመት 5 ነጥቢ 4 ሚኢታዊ ዕቤት ከተማታት ከምዝረአ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ብዓመት 5 ነጥቢ 4 ሚኢታዊ ዕቤት ከተማታት ከምዝረአ ሚኒስትር ከተማን መሰረተ ልምዓትን ጫልቱ ሳኒ ተዛሪበን።

እተን ሚኒስትር÷ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ምምጥጣን ገፀርብ ከተማን ዝተሓተ ከምዝኾነን ልዕሊ 80 ሚታዊ ዝኸውን ማሕበረሰብ ኣብ ገፀር ከምዝነብርን ገሊፀን።

ምስ ዝማዕበላ ሃገራት እንትነፃፀር ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ምምጥጣን ነባር ገፀርን ከተማን ትሑት ይኹን እምበር ኣብዚ ሕዚ እዋን ከተማታት ብቕልጡፍ እናዓበያ ከምዝመፅኣ ተዛሪበን።

በዚ ድማ በቢዓመቱ 5 ነጥቢ 4 ሚኢታዊ ዕቤት ከተማታት ከምዝረአ ብምሕባር፤ እቲ ዕቤት ምምጥጣን ገፀርን ከተማን ከምዝቕይር ኣብሪሀን።

ብምዃኑ ኣብ ከተማ ዝነብር ህዝቢ እናዓበየ ዝኸደሉን ንዓመታዊ ዕቤት ፍርያት ውሽጢ ሃገር (ጂዲፒ) ከምኡ እውን ንሓፈሻዊ ዕቤት ቁጠባዊ ሃፍቲ ኣስተዋፅኦ ዝገብረሉ ዕድል ከምዝፈጥር ምግላፀን ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.