Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኢትዮጵያ ብኮቪድ-19 ዝተለኸፉ ተወሰኽቲ 3 ተረኺቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 መጋቢት፣ 2012(ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት ምርመራ ላቦራቶሪ ካብ ዝተገበረሎም 225 ሰባት እቶም ሰለስተ ውልቀ ሰባት ብኮቪድ-19 ከምዝተለኸፉ ሚኒስቴር ጥዕና ኣፍሊጡ።

ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር ሊያ ታደሰ፥ እቲ ቫይረስ ናብ ኢትዮጵያ ካብ ዝኣቱ ጀሚሩ ኣብ ልዕሊ 2 ሺሕን 496 ሰባት ምርመራ ላቦራቶሪ ከምዝተገበረ ገሊፀን።

ብመሰረት እቲ ዝተገበረ ምርመራ ድማ ኣብ ኢትዮጵያ በዝሒ በቲ ቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ናብ 55 ክብ ክብል ከምዝኸኣለ ኣብሪሀን።

ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት ቫይረስ ኮሮና ከምዘለዎም ዝተረጋገፁ ሰስቲኦም ሰባት ኢትዮጵያውያን እንትኾኑ፥ እቶም ክልተ ሰባት ናይ ወፃኢ ጉዕዞ ታሪኽ ዘለዎም ኢዮም ኢለን።

ክልቲኦም ውልቀ ሰባት ዕድሚኦም 29 ዓመት ከምዝኾነን ካብ ዱባይ መፂኦም ኣብ ፈሊኻ መፅንሒ ክትትል እናተገበረሎም ከምዝፀንሑን እውን እተን ሚኒስትር ገሊፀን።

እቲ ሳልሳይ ውልቀሰብ ድማ ወዲ 36 ዓመት ኮይኑ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ኣዊ ከተማ ኣዲስ ቅዳም ዝነብር ምዃኑ ተዛሪበን።

ታሪኽ ጉዕዞ ዘይብሉ እንትኸውን፥ በቲ ቫይረስ ምስተለኸፈ ውልቀሰብ ንኽክእ ኣለዎ ብዝብል ተጠርጢሩ ምርመራ ከምዝተገበረሉ ገሊፀን።

በቲ ቫይረስ ካብዝተለኸፉ ሰለስተ ሰባት ውሽጢ ሓደ ሰብ ናብ ፅኑዕ ሕሙማት መፅንሒ ምእታዉ እውን ኣፍሊጠን።

ዶክተር ሊያ፥ በቲ ቫይረስ ምስዝተለኸፉ ሰባት ንኽክእ ዘለዎም ሰባት ኣብ ዘዘለዉዎ ክልል ብዝተዳለወ ናፃ ስልኪ መስመር ብምድዋል ሪፖርት ንኽገብሩን ኩሉ ሕብረተሰብ እቲ ቫይረስ ንምዕጋት ዝወፅኡ መምርሒታት ተግባራዊ ንኽገብርን ፀዊዐን።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.