Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኢትዮጵያ ብቫይረስ ኮሮና ዝተትሓዙ ተወሰኽቲ 700 ሰባት እንትርከቡ 13 ሰባት ድማ ህይወቶም ስኢኖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 መስከረም፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ትማሊ ኣብ ልዕሊ 10 ሺሕን 24 ሰባት ብዝተገበረ ምርመራ ላቦራቶሪ ብቫይረስኮሮና ዝተተሓዙ ተወሰኽቲ 700 ሰባት ከምዝተረኸቡ ሚኒስቴር ጥዕና ኣፍሊጡ።

ብመሰረት እዚ ኣብ ኢትዮጵያ በቲ ቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት ቁፅሮም 65 ሺሕን 486 ከምዝበፅሐ ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር ሊያ ታደሰ ገሊፀን።

ኣብ ናይ ትማሊ ፀብፃብ 13 ሰባት ብሰንኪ እቲ ቫይረስ ህይወቶም ዝሰኣኑ እንትኾኑ፥ ብሓፈሻ በቲ ቫይረስ ህይወቶም ዝሰኣኑ ሰባት 1 ሺሕን 35 በፂሑ ኣሎ።

ብኻሊእ መዳይ ትማሊ 655 ሰባት ካብቲ ሕማም ዝሓሾም እንትኾኑ፥ ብድምር ክሳብ ትማሊ 25 ሺሕን 988 ሰባት ካብቲ ሕማም ከምዝሓሾም ተገሊፁ።

ኣብዚ ሐዚ እዋን 38 ሺሕን 461 ሰባት በቲ ቫይረስ ተታሒዞም ኣብ ሕክምና ዝርከቡ እንትኾኑ፥ ካብ ሞንጎ እዚኦም እቶም 280 ሰባት ኣብ ክፍሊ ክንክን ዘድሊዮም ብፅኑዕ ዝሓመሙ ከምዝርከቡ ተገሊፁ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.