Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኢትዮጵያ ብቫይረስ ኮሮና ዝተለኸፉ ተወሰኽቲ 17 ሰባት ተረኺቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ሚያዚያ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት ምርመራ ላቦራቶሪ ካብዝተገበረሎም 1 ሺሕን 382 ሰባት ብቫይረስ ኮሮና ዝተለኸፉ ተወሰኽቲ 17 ሰባት ከምዝተረኸቡ ሚኒስቴር ጥዕና ፌዴሪኢ ኣፍሊጡ።

በቲ ቫይረስ ከምዝተትሓዙ ዝተረጋገፀ ኩሎም ሰባት ኢትዮጵያውያን ከምዝኾኑ ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር ሊያ ታደሰ ገሊፀን።

ሎሚ መዓልቲ ካብ መንጎ ብቫይረስ ኮሮና ዝተትሓዙ ሰባት፥ ሸውዓተ ሰባት ካብ ጅቡቲ ተመሊሶም ኣብ ክልል ዓፋር ዝርከብ ኣገዳዲ ፈሊኻ መፅንሒ ዝነበሩ እንትኾኑ፥ ሽዱሽተ ሰባት ድማ ካብ ሶማሊያ ተመሊሶም ኣብ ክልል ሶማሌ ዝርከብ ኣገዳዲ ፈሊኻ መፅንሒ ዝነበሩ ኢዮም።

እቶም ዝተረፉ ኣርባዕተ ሰባት ድማ ናይ ወፃኢ ጉዕዞ ታሪኽ ዘይብሎም ነበርቲ ከተማ ኣድስ ኣበባ ከምዝኾኑ እተን ሚኒስትር ገሊፀን።

ኣብ ኢትዮጵያ ብቫይረስ ኮሮና ዝተለኸፉ ሰባት ቁፅሮም ናብ 162 ክብ ዝበለ እንትኸውን፥ ካብቲ ሕማም ዝሓሾም ድማ ሓደሽቲ 2 ሰባት ሓዊሱ ቁፅሮም 93 በፂሑ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.