Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኢትዮጵያ ብቫይረስ ኮሮና ዝተለኸፉ ተወሰኽቲ ክልተ ሰባት ተረኺቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ሚያዚያ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ብቫይረስኮሮና ዝተትሓዙ ተወሰኽቲ ክልተ ሰባት ከምዝተረኸቡ ሚኒስትር ጥዕና ፌዴሪኢ ዶክተር ሊያ ታደሰ ገሊፀን።

ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት 1073 ሰባት ምርመራ ላቦራቶሪ ከምዝተገበረሎም ዝሓበራ እተን ሚኒስትር፥ ካብዚኦም እቶም ክልተ በቲ ቫይረስ ምልካፎም ከምዝተረጋገፀ ተዛሪበን።

ብመሰረት እዚ ኣብ ኢትዮጵያ ቁፅሪ በቲ ቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት 116 በፂሑ ኣሎ።

ካብቶም ተወሰኽቲ ሕሙማት እቲ ሓደ ወዲ 22 ዓመት ኢትዮጵያዊ እንትኸውን፥ ነባርነቱ ኣብ ክልል ዓፋር ከተማ ገዋኔ ከምዝኾነን ናይ ወፃኢ ጉዕዞ ታሪኽ ዘይብሉን ኢዩ።

በቲ ቫይረስ ምስ ዝተለኸፉ ሰባት ርክብ ምሕለዉን ዘይምህላዉን እናተፃረየ ከምዝኾነ እውን እተን ሚኒስትር ገሊፀን።

እቲ ካልኣይ ድማ ትውልደ ኢትዮጵያ ዝኾነ ወዲ 54 ኣሜሪካዊ ከምዝኾነን ካብ ኣሜሪካ መፂኡ ኣብ ፈሊኻ መፅንሒ ከምዝነበረን ኣብሪሀን።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ብምኽንያት እቲ ቫይረስ 90 ሰባት ኣብ ፈሊኻ መሐከሚ ዝርከቡ እንትኸውን፥ 21 ሰባት ድማ ካብቲ ሕማም ከምዘሓወዩ ተገሊፁ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.