Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኢትዮጵያ ብቫይረስ ኮሮና ዝተለኸፉ ተወሰኽቲ 4 ሰባት ተረኺቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ሚያዚያ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ብቫይረስ ኮሮና ዝተለኸፉ ተወሰኽቲ ኣርባዕተ ሰባት ከምዝተረኸቡ ሚኒስቴር ጥዕና ኣፍሊጡ።

ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር ሊያ ታደሰ ከምዝገለፀኦ፥ ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት ምርመራ ላቦራቶሪ ካብ ዝተገበረሎም 842 ሰባት እቶም ኣርባዕተ ውልቀ ሰባት በቲ ቫይረስ ከምዝተለኸፉ ተረጋጊፁ ኢዩ።

ብሓፈሻ ኣብ ኢትዮጵያ ቁፅሪ በቲ ቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት 96 በፂሑ ኣሎ።

እቶም በቲቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ኩሎም ኢትዮጵያውያን እንትኾኑ፥ ካብ ውሽጢ እዚኣቶም እቲ ሓደ ወዲ 22 ዓመት መንእሰይ ካብ ዱባይ ዝመፅአን ኣብ ፈሊኻ መፅንሒ ክትትል እናተገበረሉ ዝነበረን ከምዝኾነን ገሊፀን።

ካብዚ ወፃእ ደቂ 52 ዓመት ነበርቲ ከተማ ኣዲስ ኣበባን ባህርዳርን ዝኾኑ ወዲ ተባዕታይን ጓል ኣንስተይቲን፥ በቲ ቫይረስ ምስ ዝተለኸፈ ሰብ ርክብ ዝነበሮም ኢዮም ተባሂሉ።

እታ ራብይቲ ጓል 23 ዓመት መንእሰይ ድማ ነባርነታ ኣብ ክልል ኣምሓራ ከተማ ኣዲስ ቅዳም እንትትከውን በቲ ቫይረስ ምስ ዝተለኸፈ ሰብ ርክብ ከምዘለዋን ከምዘይብላን እናተፃረየ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.