Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኢትዮጵያ ብቫይረስ ኮሮና ዝተለኸፉ ሰባት ቁፅሮም 241 በፂሑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 03 ሚያዚያ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ብቫይረስ ኮሮና ዝተለኸፉ ሰባት ቁፅሮም 241 ምብፅሑ ተገሊፁ።

ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ናይ ትማሊ ፀብፃብ በቲ ቫይረስ ዝተለኸፉ 29 ሰባት ከምዝተረኸቡ ሚኒስቴር ጥዕና ፌዴሪኢ ዝገለፀ እንትኸውን፥ ቢሮ ጥዕና ክልል ትግራይ ትማሊ ኣማስዩ ኣብ ዘውፀኦ ፀብፃብ ድማ 2 ተወሰኽቲ ሰባት ክረክብ ክኢሉ ኢዩ።

በቲ ቫይረስ ዝተትሓዙ ውልቀ ሰባት ኩሎም ኢትዮጵያውያን ከምዝኾኑ እውን ተገሊፁ።

ካብ ሞንጎ እዚኣቶም እቶም 21 ሰባት ነበርቲ ከተማ ኣዲስ ኣበባ፣ ሸውዓተ ሰባት ኣብ ክልል ሶማሌ ከምኡ እውን ሓደ ሰብ ድማ ነባሪ ከተማ ኣዳማ እንትኾኑ፥ እቶም ኣብ ክልል ትግራይ ዝተረኸቡ ክልተ ሰባት ድማ ካብ ጂቡቲ ዝመፅኡ ገናሕቲ መኪና ኢዮም ተባሂሉ።

ብሓፈሻ ኣብ ኢትዮጵያ በዝሒ ብቫይረስ ኮሮና ዝተለኸፉ ሰባት 241 ዝበፅሐ እንትኸውን፥ ካብዚኣቶም ድማ እቶም ሓሙሽተ ሰባት ህይወቶም ሓሊፉ ኢዩ።

በቲ ቫይረስ ተለኺፎም ዝነበሩ 99 ሰባት ከመዝሓወዩ እውን እቲ ሚኒስቴር ኣፍሊጡ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.