Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኢትዮጵያ ብቫይረስ ኮሮና ዝተለኸፉ ሰባት ቁፅሮም 140 በፂሑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ሚያዚያ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት ምርመራ ላቦራቶሪ ቫይረስ ኮሮና ካብ ዝተገበረሎም 1 ሺሕን 758 ሰባት በቲ ቫይረስ ዝተለኸፉ ተወሰኽቲ ሓሙሽተ ሰባት ከምዝተረኸቡ ሚኒስቴር ጥዕና ፌዴሪኢ ኣፍሊጡ።

በቲ ቫይረስ ዝተትሓዙ ውልቀ ሰባት እቶም ኣርባዕተ ኢትዮጵያዊያን እንትኾኑ፥ እቲ ሓደ ድማ ኢትዮጵያዊ ትውልዲ ዘለዎ ዜጋ ስዊድን ኢዩ ተባሂሉ።

ካብ ሞንጎ እዚኣቶም እቲ ሓደ ነባሪ ከተማ ባህርዳር ዝኾነ ወዲ 17 ዓመት ሰገን እንትኸውን፥ በቲ ቫይረስ ምስ ዝተለኸፈ ሰብ ንኽክእ ዝነበሮ ኢዩ።

ሰስቲኦም ኢትዮጵያውያን ደቂ 20፣ 23ን 24 ዓመት መናእሰይ እንትኾኑ ካብ ፑንትላንድ ተመሊሶም ኣብ ኣገዳዲ ፈሊኻ መፅንሒ ጂግጂጋ ከምዝነበሩ ተገሊፁ።

እቲ ስዊድናዊ ዜጋ ወዲ 19 ዓመት መንእሰይ እንትኸውን፥ ካብ ስዊድን ተመሊሱ ኣብ ፈሊኻ መፅንሒ ዝርከብ ኢዩ ተባሂሉ።

ብሓፈሻ ኣብ ኢትዮጵያ ብቫይረስ ኮሮና ዝተለኸፉ ሰባት ቁፅሮም ናብ 140 ክብ ክብል ክኢሉ ኣሎ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.