Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኢትዮጵያ ብቫይረስኮሮና ዝተተሓዙ ተወሰኽቲ 164 ሰባት እንትርከቡ 5 ሰባት ድማ ህይወቶም ስኢኖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ሰነ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት ኣብ ልዕሊ 6 ሽሕን 630 ሰባት ብዝተገበረ ምርመራ ላቦራቶሪ ብቫይረስኮሮና ዝተተሓዙ ተወሰኽቲ 164 ሰባት ከምዝተረኸቡ ሚኒስቴር ጥዕና ኣፍሊጡ።

ሓሙሽተ ሰባት ድማ ህይወቶም ከምዝሰኣኑ ተገሊፁ።

በቲ ቫይረስ ምትሓዞም ካብ ዝተረጋገፁ እቶም 163 ሰባት ኢትዮጵያውያን እንትኾኑ፥ እቲ ሓደ ድማ ናይ ወፃኢ ዓዲ ዘግነት ዘለዎ ከምዝኾነ ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር ሊያ ታደሰ ገሊፀን።

በቲ ቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ዕድሚኦም ካብ 1 ክሳብ 92 ምዃኖም ዝገለፃ ዶክተር ሊያ፥ ፀታኦም ድማ 117 ደቂ ተባዕቲዮ 47 ድማ ደቂ ኣንስቲዮን ከምዝኾኑ ሓቢረን።

እቲ ቫይረስ ካብ ዝተረኸቦም ሰባት 104 ካብ ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ካብ ክልል ትግራይ፣ 2 ካብ ክልል ኦሮሚያ፣ 22 ካብ ክልል ኣምሓራ፣ 26 ካብ ክልል ሶማሌ ከምኡ̕ውን 1 ሰብ ካብ ክልል ሃረሪ፣ 4 ሰብ ካብ ክልል ደቡብ 1 ሰብ ድማ ካብ ክልል ቤንሻንጉል ጉሙዝ ከምዝኾኑ እተን ሚኒስትር ኣፍሊጠን።

ብመሰረት እዚ ክሳብ ሐዚ ብዝተገበረ ምርመራ ቁፅሪ እቲ ቫይረስ ዝተረኸቦም ሰባት 2 ሺሕን 670 ከምዝበፅሐ ዶክተር ሊያ ታደሰ ገሊፀን።

ብኻሊእ መዳይ ሓሙሽተ ኢትዮጵያውያን ብምኽኒያት ቫይረስኮሮና ህይወቶም ከምዝሰኣኑ ተገሊፁ።

ብሓፈሻ በቲ ቫይረስ ተለኺፎም ህይወቶም ዝሓለፉ ሰባት ናብ 40 ክብ ክብል ክኢሉ ኣሎ።

ሚኒስቴር ጥዕናን ኢኒስቲትዩት ጥዕና ሕብረተሰብ ኢትዮጵያን ብምኽንያት ሕልፈት ህይወት እተን ኣዶ ዝተሰመዖም ሓዘን ብምግላፅ ንመላእ ቤተሰብ ምፅንዕናዕ ተመኒዮም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.