Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኢትዮጵያ ብቫይረስኮሮና ዝተለኸፉ ተወሰኽቲ 720 ሰባት እንትርከቡ 14 ሰባት ድማ ህይወቶም ስኢኖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ሓምለ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ናይ ትማሊ ፀብፃብ 24 ሰዓታት ኣብ ልዕሊ 9 ሺሕን 527 ሰባት ብዝተገበረ ምርመራ ላቦራቶሪ ብቫይረስኮሮና ዝተተሓዙ ተወሰኽቲ 720 ሰባት ከምዝተረኸቡ ሚኒስቴር ጥዕና ኣፍሊጡ።

14 ሰባት ብሰንኪ እቲ ቫይረስ ህይወቶም ዝሰኣኑ እንትኾኑ፥ ብሓፈሻ በቲ ቫይረስ ህይወቶም ዝሰኣኑ ሰባት ድማ ናብ 223 ክብ ኢሉ ኣሎ።

ክሳብ ሐዚ ኣብ ልዕሊ 382 ሺሕን 339 ብዝተገበረ ምርመራ እቲ ቫይረስ ዝተረኸቦም ቁፅሪ ሰባት 13 ሺሕን 968 ከምዝበፅሐ ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር ሊያ ታደሰ ገሊፀን።

ብኻሊእ መዳይ ትማሊ 250 ሰባት ካብቲ ሕማም ዝደሓኑ እንትኾኑ፥ ብድምር ኣብ ኢትዮጵያ ካብቲ ቫይረስ ዝደሓኑ ሰባት ቁፅሮም 6 ሺሕን 216 በፂሑ ኣሎ።

ኣብዚ ሕዚ እዋን 7 ሺሕን 527 ሰባት ኣብ ክትትል ሕክምና ዝርከቡ እንትኾኑ፥ ካብ ውሽጢ እዚኣቶም ድማ 65 ሰባት ኣብ ማእኸል ፅኑዓት ተሓከምቲ ከምዝርከቡ ተገሊፁ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.