Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኢትዮጵያ ብሰላም፣ ምርጫ፣ ዴሞክራሲ እንተዘይኮይኑ ድሕረ ሐዚ ብኣፈሙዝ ጠበንጃ ስልጣን ሒዝካ ምምሕዳር ኣይከኣልን- ቀ/ሚ ኣቢይ(ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ ዝተረኸብሉ መበል ሳላሳይ ዘበን ስራሕ መበል 14 ስሩዕ ኣኼባ ስሩዕ ኣኼብኡ የሳልጥ ኣሎ።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ዝሃብዎ ምላሽ፥ ሰላም ኣብ ዘይብሉ ኩነታት ዓበይቲ ነገራት ምትላም ኣይከኣልን።

ኣብ ኢትዮጵያ ባህጊ ፖለቲካ ከም መዐወቲ ተገይሩ ዝውሰደሉ ዘሎ ምኽኒያት፥ ድልየት ፖለቲካ ብሓሳብ ዘይኮነስ ብጠበንጃ ክተዐውት ምድላይ፣ ፀገማት ብዝሰኸነ መገዲ ናይ ምፍታሕ ባህሊ ምንኣስ፣ ንሰላም ኣብ ዝግበር ጉዕዞ ንምዕንቃፍ ካብ ምድላይ ዝብገሱ ኢዮም ኢሎም።

እዚ ድማ ሓድነትን ብሄራዊ ረብሓን ማእኸል ካብ ምግባር ዝብገስ ኣይኮነን ኢሎም።

ውልቀ ሰባት ንውልቃዊ ወይ ጉጅላዊ ረብሐኦም ክብሉ ነቶም ወሰንቲ ነገራት ንወሰን ስለዝደፍኡ ተደጋጋሚ ጎንፂ ንክህሉ ምኽኒያት ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

ናብ ኲናት ብምእታውና እንታይ ረብሓ ረኺብና ዘይኮነስ ድርድር ሰላም እንታይ ኣምፂኡ ዝብል ሕቶ ይቕድም ብምህላዉ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ምምዝባል፣ ምጉናፅን ከጋጥም ከምዝኸኣለ ሓቢሮም።

ሸኔ ኣብዚ ሐዚ እዋን ዝፍፅሞ ዘሎ ተግባር ንሰላም በሪ ዝኸፍት ዘይኮነስ ጥፍኣት ምዃኑ ብምግላፅ፥ ካብዚ ወፂኡ ንሰላምን ልዕልነት ሓሳብን ድልዊ ክኸውን ከምዘለዎ ተዛሪቦም።

ጠበንጃ ተዓጢቕካ ናይ ባዕልኻ ህዝቢ ብምስቓይ “እቃለስ ኣለኹ” ምባል ትርጉም ዘይብሉ ኣካይዳ ኢዩ ኢሎም።

ሸኔ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዝገብሮ ዘሎ እዚ ኢዩ ብምባል፥ ይኹን እንበር ኣብ ኢትዮጵያ ብሰላም፣ ብምርጫ፣ ዴሞክራሲ እንተዘይኮይኑ ድሕረ ሐዚ ብኣፈሙዝ ጠበንጃ ስልጣን ሒዝካ ምምሕዳር ኣይከኣልን ኢሎም።

ዘሎ ኣማራፂ ሓሳብ ኣዋዲድካ ብልዕልነት ሓሳብ ምክርኻር ኢዩ ከብሉ ገሊፆም።

ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝለዓሉ ሓበራዊ ሕቶታት ህዝቢ፥ ሕቶ ልምዓት፣ ሕቶ ምምሕያሽ ሕገ መንግስቲን ሕቶ ወሰን ይግበአንን ኢዮም ኢሎም።

እዞም ሕቶታት ብፍላይ ሕቶታት ልምዓት ኣብ ምምላስ ኣብ ዝሓለፉ ዓማውቲ ብርክት ዝበሉ ስራሕቲ ከምዝተሰርሑ ኣብሪሆም።

ሕቶ ሕገ መንግስቲ እውን እንተኾነ ንኹሉ ብዘሳትፍ መገዲ ክኸውን ኢዩ ዘለዎ ኢሎም።

ሳልሳይ ናይ ሕቶ ወሰንን ይክበአንን ብዝምልከት ኣብ ዝሓለፉ 30 ዓማውቲ ዝፀንሐ ኢዩ ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ ንክልል ኣምሓራን ትግራይን ዘላቒ ሰላም ዘምፅእ ክኸውንን ሰላም ብዘረጋግፅ ብዘተን ልዝብን ኢዩ ክኸውን ዘለዎ ክብሉ ተዛሪቦም።

ክሳብ እዚ ዝግበር፥ ዝተመዛበሉ ናብ ቦተኦም ክምለሱ፣ ህዝቢ ካብ ናይ ባዕሉ ከባቢ ዘመሓድርዎ ክመርፅ፣ ኣብ መንጎ ክልቲኦም ህዝቢ ዘሎ ሕቶታት ንኹሉ ክፋላት ማሕበረሰብ ብዘሳትፍ መገዲ ዘተተታ ክካየድ ኢና ወሲንና ክብሉ ተዛሪቦም።

እዚ ብምግባር ናይ ሓባር ሃገር ምህናፅ ይከኣል ኢዩ ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ ካብዚ ብዝበለፀ ሰላምን ምርድዳእን ዘምፅእ ኣማራፂ ምምፃእ ዝኽእል ኣካል እንተሃሊዩ ነዚ ንምቕባል ድልዋት ኢና ኢሎም።

ካብ ጎንፂ፣ ፅልኢ፣ ምፅራፍ ዝርከብ ትርፊ የለን ክብሉ ገሊፆም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.