Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኢትዮጵያ ስርዓተ ፅሕፈት ዝተመዓራረየሎም 53 ቋንቋታት ናብ ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ኣቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ስርዓተ ፅሕፈት ዝተመዓራረየሎም 53 ቋንቋታት ናብ ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ከምዝኣተዉ ሚኒስቴር ባህሊን ስፖርትን ኣፍሊጡ።

ካልኣይ ሃገር ለኸ ጉባኤ ቋንቋታት ትርጉምን መተርጎማይነትን ኣብ ኣዳማ ዩኒቨርሲቲ ሳይንስን ቴክኖሎጂን ይሳለጥ ኣሎ፡፡

ሚኒስትር ዲኤታ ወይዘሮ ባህሊን ስፖርትን ወርቅነሽ ብሩ፥ ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ሞንጎ ዝርከቡ ልዕሊ 80 ቋንቋታት እቶም 53 ስርዓተ ፅሕፈት ተመዓራሪዩሎም ምኣገልግሎት ትምህርቲ ከምዝወዓሉን ኣብ ቀፃሊ ድማ ቁፅሪ እቶም ቋንቋት ንምውሳኽ ከምዝተሓሰበን ተዛሪበን።

ቅድሚ ክልተ ዓመት ዝፀደቐ ፖሊሲ ቋንቋት መሰረት ብምግባር፥ ሙያ ትርጉምን መተርጎማይነትን ቋንቋ ንምዕባይን ትካላዊ ኣወዳድባ ንምፍጣን ዘኽእሉ ተግባራት እናተሳለጡ ከምዝርከቡ ገሊፀን።

ሚኒስቴር ባህሊን ስፖርትን ምስ ሚኒስቴር ትምህርቲ ምስ ሸሞንተ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ብምዃን ንዝሓለፈ ሓደ ዓመት ኣብቲ ጉዳይ ዳህሰሳስ መፅናዕቲ ከምዝገበረ ውን ተዛሪበን።

እቲ ጉባኤ፥ ትርጉምን መተርጎማይነትን ቋንቋ ንሃገራዊ ሓድነትን ብሄራዊ ምርድዳእን ዘለዎ ረብሓን ንመንግስቲ እታወት ፖሊሲ ቋንቋታትን ዝውዕሉ ሓሳባት ንምእካብ ተሓሲቡ ዝተሰናደአ ምዃኑ ግዜኢ ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.