Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኢትዮጵያ ሰብኣዊ ርዳእታ ዘድልዮም ሰባት ቁፀሪ ናብ 16 ሚሊየን ክብ ኢሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ሰነ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ብምኽንያት ቫይረስ ኮሮና ኣብ ኢትዮጵያ ሰብኣዊ ርዳእታ ዘድልዮም ሰባት ቁፀሪ ናብ 16 ነጥቢ ሚሊየን ክብ ከምዝበለ ቤት ፅሕፈት ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣብ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

ውድብ ሕቡራት መንግስታት ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያን ካልኦት ሓገዝቲ ኣካላትን ብምትሕበብባር ኣብ ድሌታት ሰብኣዊ ሓገዝ 2020 ክለሳ ኣካይዱ።

ኣብ ወርሒ ጥሪ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 2020 ዝወፅአ ፀብፃ ኣብ ኢትዮጵያ ምግቢን ምግቢ ተንከፍ ዘይኮኑን ሰብኣዊ ሓገዝ ዘድሊዮ ሰባት 7 ሚሊየን ከምዝኾኑ ተገሊፁ ነይሩ።

ይኹን እምበር ቫይረስ ኮሮና ኣብ ኢትዮጵያ ኢሉ እውን ብብርኪ ዓለም ዘብፀሖ ፅዕንቶ ምግቢን ምግቢ ተንከፍ ዘይኮኑ ሰብኣዊ ሓገዝ ዘድሊዮም ሰባት ቁፅሮም ናብ 16 ነጥቢ 5 ሚሊየን ክብ ምባሉ እቲ ውድብ ኣድሊጡ ኣሎ።

ነቶም 16 ነጥቢ 5 ሚሊየን ዝኾኑ ሰባት ዝኸውን ሓገዝ ንምቕራብ ድማ 1 ነጥቢ 6 ቢሊየን ዶላር ኣሜሪካ ከምዘድሊ ተገሊፁ።

9 ነጥቢ 8 ሚሊየን ዝኾኑ ሰባት ሰብኣዊ ርዳእታ ዘድለየሊ ምኽንያት፥ ቫይረስ ኮሮና ዘስዓቦ ፅዕንቶ ምዃኑ እውን ተሓቢሩ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.