Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኢትዮጵያ ምርግጋፅ ሰላምን ካልኦት ዓውዲታት ልምዓትን ዘተባብዕ ውፅኢት ተመዝጊቡ-ሚኒስትራት

ኣዲስ ኣበባ ፣ 12 ግንቦት ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ 9 ኣዋርሕ ብዝተገበረ ምርግጋፅ ሰላም፣ ትምህርቲ፣ ባህሊን ስፖርቲን ዘተባብዕ ውፅኢት ከምዝተመዝገበ ሚኒስትራት ገሊፆም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ አዛሕመድ ኣብ ዝተረኸብሉ ገምጋም ኣፈፃፅማ መደባት ሳልሳይ ርባዕ ዓመት ተሳሊጡ።

ሚኒስትር ሰላም ብናልፍ አንዱዓለም፥ ብዘይካ ሰላም ምዕባለ ምርግጋፅ ኣይከኣልን ኢሎም።

ነዚ ብምግንዛብ ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበረ ኩነታት ንምቕያር ኣብ ዝሓለፉ 9 ኣዋርሕ ልዑል ጠመተ ተዋሂቡ ከምዝተሰርሐ ተዛሪቦም።

ብመሰረት እዚ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝነበረ ኲናት ደው ንምባል ዝተገበረ ስምምዕነት ሰላም እወንታዊ ውፅኢት ከምዝተረኸበሉ ሓቢሮም።

ኣብ ካልኦት ከባቢታት እዛ ሃገር ሰላም ንምርግጋፅ፣ ዕጥቂ ሒዞም ዝንቀሳቐሱ ሓይሊታት ዕጥቆም ብምፍታሕ ናብ ሰለማዊ ሀይወት ንክምለሱ ብምግባር ዘተባብዕ ስራሕቲ ከምዝተሰርሑ ገሊፆም።

ሚኒስትር ትምህርቲ ብርሃኑ ነጋ (ፕ/ር) ብግደኦም፥ ኣብ ዝሓለፉ 9 ኣዋርሕ ሓዱሽ ስርዓተ ትምህርቲ ክሳብ ሻምናይ ክፍሊ ንምፍፃም ዝተፈላለዩ ስራሕቲ9 ከምዝተሰርሑ ተዛሪቦም።

እዚ ድማ ዝሓሸ ኣፈፃፅማ ንክርከብ ከምዝሓገዘ ገሊፆም።

ሚኒስትር ባህልን ስፖርትን ቀጄላ መርዳሳ፥ ኣብ ዓውዲ ባህሊን ስፖርቲን ብዙሓት ዝተባብዑ ስራሕቲ ከምዝተሰርሑን እወንታዊ ውፅኢት ከምዘምፅኡን ምብርሆም ግዜኢ ፀብፂቡ።

 

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.