Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኢትዮጵያ ምምዝባል ንምንካይ የኽእል ዝተብሃለ ፕሮጀክት ዕላዊ ኮይኑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስቴር ሰላም ምስ ዓለም ለኸ ትካል ስደተኛታት (ኣይ ኦ ኤም)ን ምስ ትካል ልምዓት ደቡብ ኮሪያው (ኮይካ)ን ብምዃን ኣብ ኢትዮጵያ ምምዝባል ንምንካይ ዘኽእል ፕሮጀክት ብዕሊ ስራሕ ጀሚሩ።

እቲ ፕሮጀክት ብተፈጥሮ ሓደጋታት ብጎንፂ ዝተጎድኡ ከባቢታት ኢትዮጵያ ዝተመዛበሉ ዜጋታት ህይቶም ንምምሕያሽን ምምዝባል ብምንካይን ዘላቒ ሰላም ንምዕሳል ዘኽል ኢዩ ተባሂሉ።

ሚኒስትር ዲኤታ ሰላም ዶክተር ስዩም መስፍን፥ ኣብ ኢትዮጵያ ልዑል ምምዝባል ከምዘሎን መንግስቲ ንድሕንነት ሰባት መሪሕ ኣድህቦ ብምግባር ምምዝባል ንምንካይ ፃዕሪ እናተገበረ ከምዝርከብ ኣብቲ መጀመሪ መርሃ ግብሪ ገሊፆም።

ስደትን ምምዝባልን ብብርኪ ዓለም እናወሰኸ ዝመፅአ ፀገም ኢዩ ዝበሉ እቶም ሚኒስትር ዲኤታ፥ “መንግስቲ ኢትዮጵያ ሓደጋታት ተፈጥሮን ካልኦት ፀገማትን ክፃወር ዝኽእል ማሕበረሰብ ንምህናፅ ቆራፅ ኢዩ” እውን ኢሎም፡፡

እቶም ትካላት ነቲ ፀገም ንምፍታሕ ብሓባር ንምስራሕ ንዘርአዩዎ ተበግሶ ምስጋና ምቕራቦም ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.