Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኢትዮጵያ መዓልቲ ቱሪዝም ዓለም ኣብ ክልል ቤኒሻንጉል ክኽበር እዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 መስከረም፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ናይ ሎሚ ዘበን መዓልቲ ቱሪዝም ኣብ ኢትዮጵያ ካብ 13 ክሳብ 15 መስከረም 2015 ዓ.ም ኣብ ክልል ቤኒሻንጉል ከተማ ኣሶሳ ክኽበር እዩ።

ብብርኪ ዓለም ለኸ ንመበል 35 ዝኽበር መዓልቲ ቱሪዝም “ሓዱሽ ኣተሓሳስባ ንቱሪዝም” ብዝብል መራሒ ሓሳብ ከምዝኽበር ሚኒስትር ቱሪዝም ኣምባሳደር ናሲሴ ጫሊ ገሊፀን።

ክልል ቤኒሻንጉል፤ ዓብይ ግድብ ህዳሰ ወሲኹ ዝተፋላለዩ መስሕባት ቱሪዝም ዝሓዘት ከምዃና ነዚኦም ከግዝፍ ዝኽእሉ ክዋነታት ከምዝህልዉ ወሲኸን ተዛሪበን።

ካብዚ ብተወሳሒ ካብ ክልል ቤኒሻንጉል ወፃእ ኣብ ካልኦት ክልላት ውን መዓልቲ ቱሪዝም ዓለም ክኽበር እዩ ተባሂሉ።

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.