Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኢትዮጵያ ልዕሊ 3 ሺሕን 500 ታካላት ተመዝጊቦም ኣብ ስራሕ ይርከቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ሕዳር፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ልዕሊ 3 ሺሕን 500 ታካላት ውሽጢ ዓዲን ወፃኢን ተመዝጊቦም ኣብ ስራሕ ከምዝርከቡ ኤጀንሲ ትካላት ሲቪል ማሕበረሰብ ኣፍሊጡ።

ዋና ዳይሬክተር እቲ ኤጀንሲ ኣይተ ጅማ ዲልቦ ንትፕኢ ከምዝገለፁዎ፥ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ኢትዮጵያ ልዕሊ 3 ሺሕን 500 ትካላት ውሽጢ ዓዲን ወፃኢን ተመዝጊቦም ኣብ ስራሕ ይርከቡ፡፡

ቅድሚ ሕዚ ኣብ ዝነበረ ኩነታት እቶም ትካላት ብዙሓት ፈተናታት ኣንፀላሊዮምዎም ዝፀንሑ ስለዝኾኑ ቁፀሮም እውን ካብ እዋን ናብ እዋን እናተመናመነ መፂኡ ምንባሩ ኣብሪሆም፡፡

ትካላት ሲቪል ማሕበረሰብ ካብ ረብሐኦም ንላዕሊ ጉድኣቶም ከምዝበዝሕ ተገይሩ ይትረኽ ነይሩ ዝበሉ እቶም ዋና ዳይሬክተር፥ “ናይ ወፃኢ ዕላማ መፈፀሚ መገዲታት ኢዮም” ተባሂሉ ስለዝሕሰብ እውን ካብቲ ዓውዲ ትፅቢት ዝግበር ግደ ክፃወት ከምዘይተገበረ ገሊፆም፡፡

ነዚ ተሓሳቢ ብምግባር ኣብ ቀረባ እዋን ብሓዱሽ ውዳበ ክጣየሹ ብምግባሮም እቶም ትካላት ዝህቡዎ ኣገልግሎት ከምዝተመሓየሸ ኣገንዚቦም፡፡

ከባቢኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.