Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኢራን ፕሬዚዳንታዊ መረፃ ምክያድ ጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኢራን ኣብ ቀረባ እዋን ብሓደጋ ምሕምሻሽ ሄሊኮፕተር ህይወቶም ንዝሰኣኑ ፕሬዚዳንት ኢብራሂም ራይሲ ዝትክእ ሓዱሽ ፕሬዚዳንት ንምሕራይ ህፁፅ ፕሬዚዳንታዊ መረፃ ምክያድ ጀሚሩ።

በዚ ድማ ሎሚ መዓልቲ ጣቢያታት መውሃቢ ድምፂ ካብ ወጋሕተ ጀሚረን ብምኽፋት ኢራናውያን ድምፂ እናሃቡ ይርከቡ፡፡

እተን ጣቢያታት መረፃ ምሸት ሰዓት 12 ከምዝዕፀዋ ዝተሓበረ እንትኸውን÷ ከከምኣድላይነቱ እዋን መረፃ ክናዋሕ ከምዝኽእል ተገሊፁ፡፡

መራሒ ኢስላሚክ አብዮት ኢራን ኣያቶላ ሰይድ ኣሊኻሜኒ÷ ቴህራን ኣብ ዝርከብ ጣቢያ መረፃ ብምርካብ ድምፂ ሂቦም፡፡

እቶም ኣብዮታዊ መራሒ ኣብቲ እዋን ኣብ ዘሓላፉዎ መልእኽቲ÷ “ናይ ሎሚ መዓልቲ ዕለት መረፃ ንኢራን ንዝቕፅ ዓመታት የመርሕ ፕሬዚዳንት ብድምፂ ኢራናውያን ዝውሰነሉ ዕለት ኢዩ” ኢሎም፡፡

ኢራን ካብ ዘጋጠማ ፖለቲካዊ ፈተና ንኽትወፅእ ተሳትፎ ዜጋታት ወሳኒ ከምዝኾነ ብምሕባር÷ ኣብቲ መረፃ ክሳተፍ ዘለዎ ኩሉ ድምፁ ንኽህብ ኣተሓሳሲቦም፡፡

ኣብቲ መረፃ ልዕሊ 61 ሚሊዮን ኢራናውያን ክሳተፉ ኢዮም ዝብል ትፅቢት ከምዘሎ ምግላፁ ፕሬስ ቲቪ ፀብፂቡ፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.