Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ናይ ሎሚ ዘበን ሓምለዋይ ኣሰር ኣስታት 40 ሚኢታዊ ኣብ ከባቢ ተፋሰስ ዓብዪ ህዳሰ ዝትከል ኢዩ- ም/ቀ/ሚ ተመስገን

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ናይ ሎሚ ዘበን ሓምለዋይ ኣሰር ኣስታት 40 ሚኢታዊ ኣብ ከባቢ ተፋሰስ ዓብዪ ህዳሰ ዝትከል ኢዩ ክብሉ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ገሊፆም።

እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ሎሚ ኣብ ድሬዳዋ ፓርክ ኣሊ ቢራ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ኣሳሊጦም።

ኣይተ ተመስገን ኣብዚ እዋን፥ ድሬዳዋ ዋዒዓ ምቹው፣ ኣየራ ዝስማዕማዕን ነቲ ከባቢ ምቹውን ኮይና ንክትቅፅል ፈልስታት ብበዝሒ ክትከል ይግባእ ኢሎም።

ኣብ ፓርክ ኣሊ ቢራ ዝተገበረ መርሃ ገብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ልዑል ትርጉም ከምዘለዎ ተዛሪቦም።

ኣብ ናይ ሎሚ ዘበን ሓምለዋይ ኣሰር ካብ ዝትከሉ 7 ነጥቢ 5 ቢሊየን ፈልሲታት እቲ ኣስታት 40 ሚኢታዊ ኣብ ከባቢ ተፋሰስ ዓብዪ ህዳሰ ዝትከል ኢዩ ኢሎም።

እዚ ድማ ወሓዚ ሩባ ኣባይን ዓብዪ ግድብ ህዳሰን ከብ ብዝበለ ዓቕሚ ንምሕላው ርኡይ ረብሓ ኣለዎ ኢሎም።

ክሳብ ሐዚ ለዕሊ 5 ቢሊየን ፈልሲ ከምዝተተኸለ እወን ገሊፆም።

ብፍሬህይወት ሰፊው

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.