ኣብ ኒው ኦርሊያንስ ህዝቢ ናብ ዝተኣከበሉ ቦታ መኪና ዝገንሐ ውልቀሰብ ህይወት 10 ሰባት ቀጢፉ
ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ታሕሳስ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ኣሜሪካ ኒው ኦርሊያንስ ኣብ ኒው ኦርሊያንስ ህዝቢ ናብ ዝተኣከበሉ ቦታ መኪና ዝገንሐ ውልቀሰብ ህይወት 10 ሰባት ቀጢፉ።
በቲ ዘጋጠመ ሓደጋ ህይወቶም ካብ ዝሰኣኑ ሰባት ብተወሳኺ 30 ሰባት ጉድኣት ከምዝበፅሖም ተገሊፁ።
ኣብ ኒው ኦርሊያንስ ጎደና ቦርቦን ዘጋጠመ እቲ ፍፃመ ኣሽከርካሪ ጉድኣት ንምብፃሕ ብምሕሳብን መስመር ብምጥሓስን ብዙሕ ሰብ ናብ ዝተኣከበሉ ከባቢ ብቅልጡፍ ምግንሑ ስዒቡ ዘጋጠመ ኢዩ ተባሂሉ፡፡
እቲ ኣሽከርካሪ ሓዱሽ ዓመት ኣብ ልዕሊ ዘኽብሩ ሰባት ጉድኣት ምሰብፀሐ ካብታ መኪና ብምውፃእ ነታ ተሸከርካሪት ክትቃፀል ከምዝገበረ እውን ተሓቢሩ፡፡
ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ዝተለቐቑ ተንቀሳቐስቲ ምስሊታት እውን ኮነ ኢሉ ብዝተፈፀመ ሓደጋ ትራፊክ ኣብ ጎደና ቦርቦን ህይወቶም ዝሰኣኑ ውልቀሰባት ኣስከሬን ተራኢዩ፡፡
ጉጅለ ድልውነት ምክልኻል ሓደጋ ከተማ ኒው ኦርሊያንስ÷ እቲ ሓደጋ ልዑል ጉድኣት ዘስዐበ ብምዃኑ ቁፅ ዝሞቱ ሰባት ክውስኽ ከምዝኽእል ምግላፁ ስካይ ኒውስን ፍሪ ፕሬስ ጆርናልን ፀብፂቦም፡፡