Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ቻይና ናንጂንግ ዝተሳተፈ ጉጅለ ልኡኽ ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ናይ ጅግና ኣቐባብላ ተገይሩሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ቻይና ናንጂንግ ኣብ ዝተኻየደ መበል 20 ዓለም ለኸ ሻምፕዮን ኣትሌቲክስ ውሽጢ ገዛ ዝተሳተፈ ጉጅለ ልኡኽ ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ሎሚ ንግሆ ኣዲስ ኣበባ ኣትዩ፡፡

እቲ ጉጅለ ልኡኽ ኣብ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ እንትበፅሕ ናይ ጅግና ኣቐባብላ ከምዝተገበረሉ ኣብ ፌዴሬሽን ኣትሌቲክስ ዝተረኸበ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ነቲ ልኡኽ ሚኒስትር ዲኤታ ባህሊን ስፖርትን መኪዩ መሓመድ፣ ፕሬዚዳንት ኮሚቴ ኦሎምፒክ ኢትዮጵያ ዶ/ር ኣሸብር ወልደጊዮርጊስ፣ ፕሬዚዳንት ፌዴሬሽን ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ኮማንደር ኣትሌት ስለሺ ስህንን ፃውዒት ዝተገበረሎም ጋያሹን ኣብዝተረኸብሉ ኣቀባብላ ተገይሩሎም፡፡

ኢትዮጵያ ኣብ ዓለም ለኸ ሻምፒዮና ካብ ዓለም ሳልሰይቲ ካብ ኣፍሪካ ድማ ቀዳመይቲ ብምዃን ውድድራ ምዝዛማ ይፍለጥ፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.