Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ቻይና ቁፅሪ ብቫይረስ ኮረና ዝተለኸፉ ሰባት ልዕሊ 31 ሺሕ በፂሑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ቻይና ግዝኣት ዉሃን ብዘጋጠመ ሕማም ቫይረስ ኮረና ዝልከፉን ህይወቶም ዝስእኑን ሰባት  ካብ እዋን ናብ እዋን ብዝለዓለ ቁፅሮም መጠን ይውስኽ ምህላዉ ተገሊፁ።

ብሄራዊ ኮሚሽን ጥዕና እታ ሃገር ሎሚ መዓልቲ ከምዝበሎ፥ ቁፅሪ በቲ ቫይረስ ዝሞቱ ሰባት 636 በፂሑ ኣሎ።

ቁፅሪ ብቫይረስ ኮረና ዝተለኸፉ ሰባት እውን ትማሊ ካብ ዝነበሮ ብ3 ሺሕን 143 ብምውሳኽ፥ ኣብዚ ሐዚ እዋን ብድምር 31 ሺሕን 161 ከምዝበፅሐ እቲ ኮሚሸን ኣፍሊጡ።

ኣብ ቻይና እቲ ቫይረስ ከምዘጋጠመ ኣቐዲሙ መጠንቀቕታ ዝሃበ ወዲ 34 ዓመት ዶክተር ሊ ዌንሊያንግ በቲ ቫይረስ ህይወቶም ካብ ዝሰኣኑ ሓደ ከምዝኾነ እውን ተገሊፁ።

ብተመሳሳሊ ዜና እቲ ቫይረስ ካብ ቻይና ወፃእ ኣብ 25 ሃገራት ዓለም ዝተርኣየ እንትኸውን፥ ኣብ ፊሊፒንስን ሆንግ ኮንግን ክልተ ሰባት ከምዝሞቱ መረዳእታታት ይሕብሩ።

ውድብ ጥዕና ዓለም ነቲ ቫይረስ ንምክልኻል 675 ሚሊየን ዶላር ኣሜሪካ ከምዝሰለዐ ድማ ተገሊፁ።

ፍልፍል፦ ቢቢሲ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.