Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ቺሊ ብዘጋጠመ ባርዕ ሓዊ ብውሑዱ ህይወት 112 ሰባት ሓሊፉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ቺሊ ብዘጋጠመ ባርዕ ሓዊ ክሳብ ሕዚ ብውሑዱ ህይወት 112 ሰባት ከምዝሓለፈ ተገሊፁ።

ኣብ ቺሊ ቫልፓራሶ ኣብ ዝተብሃለ ግዝኣት ዝርከብ ደኒ ዘጋጠመ ባርዕ ሓዊ ስዒቡ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ከምዝተኣወጀ ፕሬዚዳንት እታ ሃገር ገብርኤል ቦሪክ ኣፍሊጦም፡፡

በቲ ሓደጋ ጉድኣት ካብ ዘጋጠሞም መብዛሕተኦም ኣብታ ግዝኣት ዝርከብ ጠረፍ ባሕሪ ዑደት እናገበሩ ዝነበሩ ሰባት ከምዝኾኑ ተሓቢሩ፡፡

ክሳብ ሕዚ ድማ ብውሑዱ 112 ዝኾኑ ሰባት በቲ ሓደጋ ንሕልፈት ዝተቓልዑ እንትኾኑ÷ ካብ 3 ሺሕ ክሳብ 6 ሺሕ ዝበፅሑ መንበሪ ገዝኦም ከምዝዓነወ ተገሊፁ፡፡

እዚ ድማ ኣብ ታሪኽ ቺሊ ልዑል ጉድኣት ዘስዐበ ፈላማይ ሓደጋ ባርዕ ሓዊ ብምዃን ከምዝተመዝገበ ሰብ መዚ እታ ሃገር ምግላፆም ቢቢሲ ፀብፂቡ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.