Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ትግበራ ፖሊሲ ሳይበር ድሕንነት መዳርግቲ ኣካላት ብፅሒቶም ንክዋፅኡ ተሓቲቱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ጥቅምቲ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ትግበራ ሃገራዊ ፖሊሲ ሳይበር ደሕንነት መዳርግቲ ኣካላት ብፅሒቶም ንክዋፅኡ ዋና ዳይሬክተር ምምሕዳር ኢንፎርሜሽንን መረብ ድሕንነትን ትእግስት ሃሚድ ተዛሪበን።

እቲ ምምሕዳር ሓምሻይ ሃገር ለኸ ወርሒ ሳይበር ድሕንነት ጠሚቱ፥ ሃገራዊ ፖሊሲ ሳይበር ድሕንነትን ግደ መዳርግቲ ኣካላትን” በዝበል መሪሕ ሓሳብ መድረኽ ዘተ የሳለጥ ኣሎ።

እተን ዋና ዳይሬክተር፥ ፖሊሲ ሳይበር ድሕንነት ቀንዲ መሐለዊ መሰረተ  ልምዓት ክኸውን ዘኽእል ሰፊሕ ትሕዝቶ ዘለዎ ኢዩ ኢለን።

ጉዳይ ሳይበር ድሕንነት ናይ ሓደ ትካል ጥራሕ ከምዘይኮነ ብምግላፅ፥ እቲ ፖሊሲ ተግባራዊ ብምግባር ሳይበር ድሕንነት ንምሕላው ሕድሕድ መዳርግቲ ኣካል ሓላፍነቱ ክዋፃእ ከምዝግባእ ምግላፀን ግዜኢ ፀብፂቡ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.