Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ትግበራ ሃገር ቦቆል ኢኮኖሚ ተሳትፎ ዓውዲ ውልቀ ልዑል ዓቕሚ ኣለዎ- ም/ቀ/ሚ ተመስገን ጥሩነህ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ትግበራ ሃገር ቦቆል ኢኮኖሚ ተሳትፎ ዓውዲ ውልቀ ልዑል ዓቕሚ ኣለዎ ክብሉ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ተዛሪቦም።

“ናይ ኢትዮጵያ ይዓድጉ” ብዘብል መሪሕ ሓሳብ ንሓሙሽተ ተኸታተልቲ መዓልታት ብዝተፈላለዩ ኩነታት ክካየድ ዝቐነየ ፍሉይ ሰሙን ንግዲ መዛዘሚ መርሃ ግብሪ ረእሳነ ምምሕዳር ክልላት፣ ሚኒስትራትን ዲፕሎማት ዝተፈላለያ ሃገራትን ኣብ ዝተረኸብሉ ተሳሊጡ።

ብሚኒስቴር ንግዲን ዞባዊ ዝምድናን ዝተሰናደአ እቲ መርሃ ገብሪ፥ ካብ ወፃኢ ዝኣቲ ፍሪያት ምትካእ፣ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዝፈሪዩ ፍሪያታት ምፍላጥ ዕላምኡ ዝገበረ ከምዝኾነ ተሓቢሩ።

ም/ቀ/ሚ ተመስገን ጥሩነህ፥ መንግስቲ ኣብ ዝፍፅሞ ስራሕቲ ልምዓት ዓውዲ ወልቀ ዘለዎ ግደ ንኢዶም።

ፍሪያት፣ ነግዲን ወዘተ ንምዝማን መንግስቲ ዝጀመሮ ትግበራ ዲጅታላዜሽን ንምጥንኻር ተሳትፎ ዓውዲ ውልቀ ሓቲቶም።

ብፍሬህይወት ሰፊው

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.