ኣብ ትግራይ 50 ሚኢታዊ ዝራእቲ ከምዝተኣከበ ተገሊፁ
ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ሕዳር፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ትግራይ 50 ሚኢታዊ ዝራእቲ ዘበነ መህርቲ 2016/17 ከምዝተኣከበ ቢሮ ሕርሻን ልምዓት ገፀርን ግዚያዊ ምምሕዳር እቲ ክልል ኣፍሊጡ።
ምክትል ሓላፊ እቲ ቢሮ ኣይተ ኣበራ ከደነው፥ እዋኑ ዘይሓለወ ዝናብ ኣብ ልዕሊ ዝራእቲ ጉድኣት ንከየብፅሕ ተሓሲቡ ዝለፍዑ ዝራእቲ ናይ ምእካብ ስራሕ ይስራሕ ኣሎ ኢሎም።
ሓይሊ ዕማም በምጥያሽ ብኽነት ፍሪያት ንምክልኻልን ዝተረኸበ ፍሪያት ብኣግባቡ ንምእካብን ይስራሕ ከምዘሎ አወን ገሊፆም።
ብመሰረት እዚ ብግዚያዊ ምምሕዳር 10 ሚሊየን ብር ብምስላዕ ንዓፂድ ዘድሊ እታዎታት ናይ ምምላእ ስራሕ ከምዝተኻየደ ተዛሪቦም።
ኣብ ምእካብ እቶም ዝራእቲ፥ ሓይሊታት ፀፅታ፣ ሰራሕተኛታት መንግስቲን ማሕበረሰብ ተምህርቲን ሓዊሱ ልዕሊ 40 ሺሕ ሓይሊ ሰብ ይሳተፍ ከምዘሎ ኣብሪሆም።
ብመሰረት ዝተገበረ ርብርብ ድማ ክሳብ ሐዚ 50 ሚኢታዊ ዝራእቲ ከምዝተኣከበ ተገሊፁ ክበል ግዜኢ ፀብፂቡ።