Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ትግራይ 24 ሚልየን ኩንታል ፍሪያት ኣብ ዘመነ ምህርቲ 2016/17 ንምርካብ ትልሚ ከምዝተትሓዘ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ትግራይ 24 ሚልየን ኩንታል ፍሪያት ኣብ ዘመነ ምህርቲ 2016/17 ዓ.ም ንምርካብ ትልሚ ከምዝተትሓዘ ቢሮ ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮን ግዚያዊ ምምሕዳር እቲ ክልል ኣፍሊጡ።

ዋዕላ ፕሮግራም ተሳትፎኣዊ ሕርሻን ስግግር ክሌማዊ ለውጢን  ኣብ ከተማ መቐለ ተሳሊጡ።

ኣብቲ መድረኽ ብምርካብ መደረ ዘስምዑ ሓላፊ እቲ ቢሮ ኢያሱ ኣብርሃ(ዶ/ር)፥ብብርኪ ክልል 24 ሚልየን ኩንታል ፍሪያት ኣብ ዘመነ ምህርቲ 2016/17 ንምርካብ ትልሚ ከምዝተትሓዘ  ገሊፆም።

ብፕሮግራም ተሳትፋዊ ሕርሻን ስግግር ክሌማዊ ለውጢን፥ 10 ነጥቢ 4 ሚሊየን ዶላር ዝተሰለዐሉ ኢዩ።

እቲ ፕሮጀክት ንልዕሊ 50 ሺሕ መራሕቲ ስድራ ሓረስቶት ብቀጥታን ብተዘዋዋርን ተረባሕቲ ይገብር ምህላዉ እቶም ሓላፊ ተዛሪቦም።

እቲ ፕሮጀክት ንሸውዓተ ዓመት ዝፀንሕ ምዃኑ ብምግላፅ፥ ተረባሕቲ እቲ ዕድል ብዝግባእ ብምስራሕ ውሕስና ምግቦም ንከረጋግፁ ኣገንዚቦም።

ኣብቲ ዋዕላ ብፕሮጀክት ኢፋድ ተሓጊዞም ካብ ዝተፈላላያ ወረዳታት ዝመፅኡ ሓረስቶት ብግደኦም፥ መስኖ ብምጥቃም ብዝሰርሕዎ ስራሕ ውፅኢታውያን ምዃኖም ኣብሪሆም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.