Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ትግራይ 13 ሚሊየን ኩንታል ፍርያት ተኣኪቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ታሕሳስ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ዘበነ ምህርቲ 2016/17 ልዕሊ 13 ሚሊየን ኩንታል ምህርቲ ከምዝተኣከበ ቢሮ ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮን ጊዜያዊ ምምሕዳር እቲ ክልል ኣፍሊጡ፡፡

ሓላፊ እቲ ቢሮ ኢያሱ ኣብረሃ (ዶ/ር) ከምዝገለፁዎ÷ ኣብቲ ዘበነ ምህርቲ ዓቕሚ ምፍፃም ብምድንፋዕ መጠንን ፅሬትን መፍረያይነት እቲ ክልል ንምዕባይ ሰፊሕ ስራሕ ተሰሪሑ።

ኣብ ዘበነ ምህርቲ 2016/17 ፤ 20 ሚሊየን ኩንታል ምህርቲ ንምፍራይ ተሓሲቡ 13 ሚሊየን ኩንታል ምህርቲ ከምዝተኣከበ ተዛሪቦም፡፡

እቲ ክልል ንዓውዲ ሕርሻ ትኹረት ሂቡ ምስርሑን መንግስቲ ፌደራል እታወታት ሓዊሱ ዝተፈላለዩ ሓገዛት ምግባሩን ንዝተረኸበ ውፅኢት ኣስተዋፅኦ ነይሩዎ ኢሎም።

ኣብ ዝቕፅል ዘበነ ምህርቲ ዝሕረስ መሬት ብምስፋሕን ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ብምትሕብባርን ዝሐሸ ፍርያት ንምእካብ ምድላው ከምዝግበር ንግዜኢ ገሊፆም፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.