Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ትግራይ ዝግበር ኣቕርቦት ሰብኣዊ ደገፍ ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ኮሚሽን ሓደጋን ድልውነትን ኣመራርሓ ስራሕን ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 መጋቢት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ትግራይ ዝግበር ኣቕርቦት ሰብኣዊ ደገፍ ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ኮሚሽን ሓደጋን ድልውነትን ኣመራርሓ ስራሕን ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

ኮሚሽነር እቲ ኮሚሽን ምትኩ ካሳ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ፥ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ዓብዪ ዕንቅፋት እንተኾነ እወን ኣብ ትግራይ ዝግበር ኣቕርቦት ሰብኣዊ ደገፍ ግን ሐዚ እውን ተጠናኺሩ ቀፂሉ ኢዩ ኢሎም።

ብምኽኒያት ግብረ ራዕዲ ህወሓት ብተሽከርከርቲ ዝግበር ሓገዝ ተበፃሒ ብዘይምዃኑ ካብ ወርሒ ጥሪ 2014 ዓ.ም ጀሚሩ ብነፈርቲ ብዙሕ በረራታት ብምክያድ መድሓኒታትን ሃነፅቲ ምግብታትን ይበፅሕ ከምዘሎ ተዛሪቦም።

ኣብዚ ኩነታት መንግስቲ ዝፈጠሮም ምቹዋት ኩነታት ዓብዪ ግደ ከምዘለዎም እቶም ኮሚሽነር ገሊፆም።

ግብረ ራዕዲ ህወሓት ኣብ ምክፍፋል እቶም ሰብኣዊ ሓገዛት ዓብዪ ዕንቅፋት እንተኾነ እውን መንግስቲ ብዝገብሮ ልዑል ቆራፅነት እቲ ሓገዝ ተበፃሒ ንምግባር ይስራሕ ከምዘሎ ኣረዲኦም።

ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ተጋሩ ናብ ጎረባብቲ ክልላት ይኣትዉ ከምዘለዉ ብምግላፅ፥ ሰብኣዊ ደገፍ ንምግባር ቁፅሪ ተሓገዝቲ ብምፅናዕ ምንቅስቓስ ይግበር ከምዘሎ ሓቢሮም።

ብወገን መንግስቲ ኢትዮጵያ ፀገም ኣቕርቦት ምግቢን ምግቢ ተንከፍ ዘይኮኑ ሰብኣዊ ደገፋትን ከምዘየለ ብምሕባር፥ እቲ ፀገም ኣብ ተበፃሕነት ከመዘኾነ ኣመላኺቶም።

እዚ ንምፍታሕ ገብረ ራዕዲ ፅሕተራ ደው ምባልን ዝሓዞም ቦታታት ለቒቑ ክወፅእን ይግባእ ኢሎም።

ብኣዲሱ ሙሉነህ

 

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.