Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ትግራይ ዝተጀመረ ከይዲ ሰላም ተጠናኺሩ ንኽቕፅልንዝድለ ውፅኢት ንኽመፅእን ተሳትፎ ህዝቢ ዕዙዝ ግደ ከምዘለዎ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ታሕሳስ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ትግራይ ዝተጀመረ ከይዲ ሰላም ተጠናኺሩ ንኽቕፅልንዝድለ ውፅኢት ንኽመፅእን ተሳትፎ ህዝቢ ዕዙዝ ግደ ከምዘለዎ ኣብ ከተማ ዓድዋ ብዝተገበረ መድረኽ ዘተ ተገሊፁ።

ኣብቲ መድረኽ ዘተ መንግስቲ ፌዴራል ድሕሪ እቲ ስምምዕነት ሰላም ኣብቲ ክልል ሰላም ንምምፃእን መሰረተ ልምዓት መሊሱ ንምህናፅን እናገበሮ ዝርከብ ፃዕሪ ከምኡ እውን ኣብ ቀረብ ሰብኣዊ ሓገዝ እናተሰርሑ ዝርከቡ ስራሕቲ ቀሪቦም።

ተሳተፍቲ እቲ መድረኽ ክሳብ ሕዚ ዝተሰርሐ ስራሕ ብምንኣድ ኣብ ቀፃሊ ብሩህ ተስፋ ከምዘለዎም ተዛሪቦም።

ሰብኣዊ ቀረባት ኣመልኪቱ ዝተጀመረ ስራሕ ተጠናኺሩ ንኽቕፅል ሓቲቶም።

ኣብ ዓድዋን ከባቢኣን ዘሎ ሰላም ንምጥንኻር ብወገን መንግስቲ ፌዴራል እናተሰርሐ ዝርከብ ተግባር ክጠናኸርን ክስፋሕፋሕን ከምዝግበኦ ገሊፆም፡፡

ኣብ ዓድዋን ከባቢኣን ይኹን ኣብ ክልል ትግራይ ዘሎ ሰላም ተጠናኺሩ ክቕፅል ዝኽእል ተሳትፎ ህዝቢ እንትህልዎ ከምዝኾነ ኣብቲ መድረኽ ተላዒሉ።

ብለይኩን ኣለም፣ ኣፈወርቅ እያዩን ታሪኩ ወልደሰንበትን

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.