Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ትግራይ ዝርከባ ትካላት ጥዕና ብሙሉእ ዓቕመን ኣገልግሎት ክህባ ንምግባር ብምውዳድ ይስራሕ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ለካቲት ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ትግራይ ዝርከባ ትካላት ጥዕና ብሙሉእ ዓቕመን ኣገልግሎት ክህባ ንምግባር ብምውዳድ እናተሰርሐ ምዃኑ ሚኒስቴር ጥዕና ኣፍሊጡ።

ኣብቲ ሚኒስቴር መራሒ ፈፃሚ ስራሕ ቀረብ መድሓኒትን መሳርሒታት ሕክምናን ረጋሳ ባይሳ÷ ኣብ ኩሎም ከባቢታት ክልል ትግራይ ብምኽንያት እቲ ጎንፂ ዝተጎድኡ ትካላት ጥዕና ዳግም ስራሕ ንምጅማር ብዕቱብ እናተሰርሐ ምዃኑ ገሊፆም፡፡

ውዕሊ ሰላም ስዒቡ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እቲ ክልል ሆስፒታላትን ጥዕና ጣቢያታትን ዳግም ስራሕ ክጅምራ ከምዝተገበረ ኣብሪሆም፡፡

ንመሰረታዊ ኣገልግሎት ጥዕና ዝውዕሉ ኣድለይቲ እታወታት ሕክምና እናተኸፋፈለ ከምዝኾነ እውን ኣይተ ረጋሳ ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ተዛሪቦም፡፡

ኣብ መቐለን ከባቢኣን ዝርከባ ሆስፒታላትን ጥዕና ጣቢያታትን ኣብ ዘለወኦ ኩነታ ኮይነን ኣገልግሎት ክህባ ንምግባር ምስ መሓዙት ኣካላት ብምትሕብባር ይስራሕ ኣሎ ኢሎም፡፡

ኣብ ቀረባ እዋን ጉጅለ ልኡኽ ሚኒቴር ጥዕና ናብ መቐለ ኣምሪሑ መቐለን ከባቢኣን ዝርከባ ትካላት ጥዕና ዝርከባሉ ኩነታት ከምዝገምገመ ሓቢሮም፡፡

እተን ሆስፒታላትን ጥዕና ጣቢያታትን ጉድኣት ከመዝበፅሐን ከምዝተዓዘብ ዝሓበሩ እቶም ፈፃሚ ስራሕ÷ ህፁፃት ሕክምናታ ብምትሕባር እቲ ሚኒስቴርን መሓዙት ኣካላትን ኣገልግሎት እናተውሃቡ ከምዝርከቡ ገሊፆም፡፡

ኣብ ኩሎም ከባቢታት ክልል ትግራይ ዝርከባ ትካላት ጥዕና ብሙሉእ ዓቕመን ኣገልግሎት ምሃብ ንኽኽእላ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ብምውዳድ እናተሰርሐ ከምዝርከብ ኣብሪሆም፡፡

ይኹን እምበር እተን ትካላት ጥዕና ብምኽንያት እቲ ጉንፂ ዝበፅሐን ጉድኣት ልዑል ምስ ምዃኑ ተተሓሒዙ ሕፅረት ፋይናንስ ከምዘሎ ብምሕባር÷ ትካላት መንግስቲ፣ ውልቀ ትካላት፣ ዳያስፖራታትን ትካላት ሰብኣዊ ሓገዝን ኣብ ዳግመ ህንፀት ትካላት ጥዕና ትግራይ ዝግበር ፃዕሪ ሓገዝ ንግገብሩ ፀዊዖም፡፡

ብመላኩ ገድፍ

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.