Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ትግራይ ዘሎ ዝርገሐ ኤች ኣይቪ ንምቁፅፃር ምስ ኣቦታት ሃይማኖትን ኣመራርሓ ኣካላትን ይሰርሕ ከም ዘሎ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ሕዳር፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)መሪሕነት ኣብ ምቁፅፃር ኤች ኣይቪ ኤድስ ልዑል ግደ ከም ዘለዎ ቢሮ ጥዕና ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣፍሊጡ።

እቲ ቢሮ በቢ ዓመቱ 22 ሕዳር ዝኽበር መዓልቲ ኤች ኣይቪ ኤድስ ኣመልኪቱ ሎሚ 19 ሕዳር 2017 ዓ.ም ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፥  ሎሚ ዘበን ዝኽበር ዓለም ለኸ መዓልቲ ኤች ኣይቪ /ኤድስ ” ሰብኣዊ መሰል ዘኽበረ ግልጋሎት ንኹለ” ብዝብል መራሒ ሓሳብ ንመበል 37 ጊዜ ከምዝኽበር ገሊፁ።

ሓላፊ እቲ ቢሮ ዶክተር ኣማኑኤል ሃይለ፥ ቢሮ ጥዕና ክልል ትግራይ ኣብ 10 ገጠር ወረዳታትን 10 ከተማታትን ብዝገበሮ መፅናዕቲ ኣብ ትግራይ ቅድሚ ኲናት ካብ ዝነበረ 1 ነጥቢ 4 ሚልየን መጠን ዝርገሐ እቲ ሕማም ብዕፅፊ ከምዝወሰኸ ኣረዲኦም።

ንምግዳድ እቲ ሕማም ቀንዲ ምኽንያታት ድማ ድኽነት ዝወለዶ ምስፍሕፍሕ ፋይቶትነት፣ ኣብ ትግራይ ብዝተፈጠረ ኲናት ስዒቡ ሕፅረት መከላኸሊ ኤች ኣይቪ ኤድስ ስለ ዘጋጠመን ኻልኦት ምኽንያታትን ከምዝኾነ ሓቢሮም።

ብፆታ እንትነፃፀር ቑፅሪ በቲ ሕማም ዝተታሓዙ እንትረእ ደቂ ኣንስትዮ ልዑል ቑፅሪ ከምዝሓዛ ዝሓበሩ ዶክተር ኣማኑኤል፥  ቀንዲ ተቓለዕቲ ዝኾኑ ወገናት እንትረእ ድማ ኣብ ስራሕቲ ፋይቶት ዝተዋፈራ፣ መናእሰይ ፣ ናይ ነዊሕ ጉዕዞ ገናሕቲ መኻይን ከምዝኾኑ ኣረዲኦም።

ነዙይ ንምቁፅፃር ድማ ቢሮ ጥዕና ምስ መራሕቲ ሃይማኖት፣ ኣብ ዝተፈላለዩ መሪሕነት ዝርከቡ ኣካላት ይሰርሕ ከም ዘሎ ይገልፁ።

ኣብ ዝተፈላለዩ መሪሕነት ዝርከቡ ኣካላት ነዙይ ተረዲኦም ኣብ ምክልኻል ኤች ኣይቪ/ኤድስ ግድኦም ክፃወቱ ፀዊዖም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.